ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ተራኺቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ተራኺቦም  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 27 ጥቅምቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ሃንጋሪ መራሔ መግንስቲ ቪክቶር ኦርባን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ናይ ረፓብሊካዊት ሃንጋሪ መራሔ መግንስቲ ቪክቶር ኦርባን ካብ ቅድስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራት ኣህጉራውያን ትካላት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ  መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን፡ ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ርክብ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ቫቲካንን ሃንጋሪን ዘሎ “ጽኑዕ ክልተኣዊ ዝምድና” ዘጒልሕ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ፡ "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንማሕበራዊ ምዕባለን ሰናይ ህይወት ማሕበረሰብ ሃንጋርን ንምድንፋዕ ብፍላይ ኣባይቲ ስድራን ትምህርትን  መጻኢ መንእሰያትን ከምኡ እውን ነቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ኣብ ምክንኻን ዘለዋ ተዋፍነት ብምድናቕ ኣፍልጦ ከም እተወሃበሉ ብምምልካት፡ ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ንጉዳያት ኤውሮጳን ብፍላይ ድማ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣቃልቦ ከም እተገበረሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርሰ ሊቃአን ጳጳሳት ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብ ዕለት  28 - 30 ሚያዝያ 2023 ኣብ  ሃንጋሪ መበል 41 ሃዋርያዊ ዑደት ኣብ ሃንጋሪ ከም ዘካየዱን ቅድም ክብል እውን ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ንመበል 52 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽዕርጉ ኣብ ቡዳፐስት ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ተራኺቦም
28 Oct 2025, 16:19