2025.10.02 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ኣብ ቅልውላው ስደት ዓለምለኻዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዑ 2025.10.02 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ኣብ ቅልውላው ስደት ዓለምለኻዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዑ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ኣብ ቅልውላው ስደት ዓለምለኻዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዑ

ሮማ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ስነ ኣበው ቤተ ክስቲያን ኣውጉስቲንያኑም "ስደተይታትን ተመዛበልትን ኣብ ናይ ሓባር ገዛና" ብዝብል ቃል ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ነቲ ብሰንኪ ተርእዮ ስደት ዝተጸልዉ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ኩነታት ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅድሚ ሰብኣዊ ስቓይ ብፍላይ ምስቲ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ዓለም ካብቲ “ዓውሎማዊ ሓይሊ ኣልቦነት” እንክብሉ ዝገለጽዎ ተዓዛቢ ካብ ምዃን ክንጥንቀቕ፣ እዚ ዓውሎማዊ ሓይሊ ኣልቦነት ኣተሓሳስባን ተግባርን እዚ ብዛዕባ ስቓይ ካልኦት ዘይምግዳስ ምስ ዝዓብን ንምሕጋዝ ዋላ ሓንቲ ክግበር ከም ዘይክእል ምስ እንኣምንን ዝሰፍሕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዝጸሉ ተርእዮ ስደት ንምፍታሕ ዓለምለኻዊ መፍትሒታት ብህጹጽ ከምዘድሊ ኣስሚሮም . . . ቅዱስ ኣቦና ንኣዳለውቲ ናይዘን መዓልታት ዘተን ኣስተንትኖን ምትሕብባርን ከምኡ’ውን ንኹሎም ተሳተፍቲ ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ልባዊ ምስጋና ከም ዘቕረቡን እዚ ጻዕርታት እዚ፡ ኣብ ዙርያ ኣርባዕተ ወሰንቲ ኣዕኑድ፡ “ምምሃር፡ ምርምር፡ ኣገልግሎትን ደገፍን” ዘማእከለ ናይ ሰለስተ ዓመት ውጥናት ንምጅማር ዝሕግዝ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ክብሪ

እዞም ኣርባዕተ ኣዕኑድ እዚኣቶም ኣካል ናይ ሓደ ተልእኾ እዮም፦ “ካብ ዝተፈላለየ ስነ-ፍልጠታት ዝመጹ መሪሕ ድምጽታት ብምጥርናፍ ነቲ ብሰንኪ ስደትን ምዝንባልን ዝጽለዉ ሰባት - ሕጂ ልዕሊ 100 ሚልዮን ከም ዝኾኑ ዝግመት - ህሉው ህጹጽ ብድሆታት ንምፍታሕ” ዘተኮረ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስሚሮም፣ እዚ ጻዕርታት እዚ “ሓድሽ ሓሳባትን ኣቀራርባን” ከም ዘምጽእ ንተሳተፍቲ ዘለዎም እምነት ገሊጾም፣ ንተሳተፍቲ እውን ጸሎትም ኣረጋጊጾም፣ ኣብ ማእከል ዝኾነ ፍታሕ ኩሉ ግዜ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ማእከል ክኸውን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ 'ዓውሎማዊ ዘይምግዳስ' እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ "ስቓይ ካልኦት

 ምልምምዳድ ነቲ ስቓዮም ከነቃልሎ ካብ እንገብሮ ጻዕሪ የብኩረና። እዚ ድማ ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ዓውሎማዊ ሓይሊ ኣልቦነት” እንክብሉ ዝጠቐስዎ ክመርሕ ዝክእል ከም ዝኾነን "ኣብ ቅድሚ ስቓይ ንጹሓን ዝኾነ ነገር ክግበር ከምዘይንኽእል ይስምዓና ንጡፋት ካብ ምዃን ንቦርክ ወይ ድማ ብጽሞና ንሓዝንን . . . እዚ ከጋጥም ዝኽእል ዓቢ ሓደጋ እዩ፣ ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ንጠንቀቕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣይፋል "ንዓውሎማዊ ሓይሊ ኣልቦነት"

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ናይ ምራኻብ ባህሊ” ከም መድሃኒት ንዓውሎማዊ ሸለልትነት ዘስፍሕዎ ዝነበሩ፡ “ንሕና’ውን” ይብሉ ቅዱስ ኣቦና “ናይ ዕርቂ ባህሊ ብምምዕባል ነቲ ዓለም ለኻዊ ሓይሊ ኣልቦነት  ንምግጣም ክንሰርሕ ኣሎና፣ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም "ቍስልና ብምፍዋስ ንሓድሕድና ክንራኸብ ነቲ ዝገበርናዮ ኽፉእ ከምኡውን ነቲ ዘይገበርናዮ ሳዕቤኑ እንጾሮ፣ ንሓድሕድና ይቕረ ኽንብሃሃለሉ ኣሎና - ምስ በሉ - እዚ ትዕግስቲ፡ ናይ ምስማዕ ድልውነት፡ ምስ ቃንዛ ካልኦት ናይ ምልላይ ክእለትን ሓደ ዓይነት ሕልምን ሓደ ዓይነት ተስፋን ከምዘለና ምፍላጥን ይሓትት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ንተሳተፍቲ ብፍላይ ኣብተን ገና ብዙሕ በሰላ ዘለወን ብግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋ ዞባታት ናይ ዕርቂ ምልክታትን መምርሕታት ንምድንፋዕ ጭቡጥ መገድታት ክረኽቡ የተባብዖም፣ “እዚ ቀሊል ዕማም ኣይኰነን፣ ነባሪ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕርታት ክዕወት እንተኾይኑ ግን ንልብን ኣእምሮን ዝትንክፈሉ መገድታት ከጠቓልል ኣለዎ - ቢሎም - ውጥናት ስራሕ ክንፈጥር እንኮለና፡ “ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብጽንዓቶምን ኣብ ኣምላኽ ብዘለዎም እምነትን ፍሉይ መሰኻኽር ተስፋ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ’ውን ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ” ምዃኑ ሓቢሮም፣ ” መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዋላ እኳ ብዙሕ ዕንቅፋታት እንተጋጠሞም፡ ዝሓሸ መጻኢ እናደለዩ ሓይሎም ይዕቅቡ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንበዓል ኢዮቤል ስደተይናታት ብሃንቀውታ ንጽበ

ኣብዚ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. እቲ ንስደተይናታትን ንተልእኾታትን እተወፈየ መዓልቲ ንምብዓል ኣብ እንዳለወሉ ዘለና እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ እነገልግሎም ማሕበረሰባት ኣብነታት ተስፋ ከነጉልሕ ኣተባቢዖም፣ "በዚ መንገዲ ንኻልኦት ከነቓቕሑን ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ብድሆታት ንምግጣም ውጥናት ንምምዕባል ክሕግዙን ይኽእሉ" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

03 Oct 2025, 17:45