ካብ ወርሒ ሕዳር - ጥሪ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሊጡርጊያዊ መርሓ ዕለት ካብ ወርሒ ሕዳር - ጥሪ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሊጡርጊያዊ መርሓ ዕለት  (@Vatican Media)

ካብ ወርሒ ሕዳር - ጥሪ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሊጡርጊያዊ መርሓ ዕለት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ቤተ ክርስቲያን በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ኣብ እትጥምተሉ ዘላ እዋን ብዙሓት ሊጡርጊያዊ በዓላት ክመርሑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊጡርጊያዊ በዓላት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊጡርጊያዊ በዓላት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዕለት 30 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዘለዎም ሊጡርጊያዊ መደባት ወግዓዊ ከምዝገበሮን

ካብ ወርሒ ሕዳር 2025 - ወርሒ ጥሪ 2026 ቅዱስነቶም ዝህልዎም ሊጡርጊያዊ መደባት ዝርዝራቱ የመላኽት።

ኣብ ወርሒ ሕዳር

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ቤተ ክርስቲያን በዓለ ኵሎም ቅዱሳት ኣብ እተብዕለሉ ዕለት 1 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንቅዱስ ዮሓንስ ሄንሪ ኒውማን ሊቕ ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ክምዝውጁን እዚ ፍጻሜታት እዚ እውን ብዓውዲ መዓልቲ ኢዮቤል ንትምህርቲ ዓለም ዝተሰነየ ከም ዝኸውንን ዕለት 9 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ተረኺቦም ንወፈያ ካቴድራል ከተማ ሮማ ዓቢይ ክብረ በዓል ምኽንያት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ እዮም፣

ዕለት 16 ሕዳር ዝካየድ መዓልቲ ኢዮቤል ድኻታት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑን ዕለት 23 ሕዳር ዓመታዊ ክብረ በዓል ኢየሱስ ንጉስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ ከም ዝኾኑን እዚ ፍጻሜ እዚ እውን ምስ ምዝዛም መዓልቲ ኢዮቤል መዘምራ ዝጋጠም ምዃኑ ዜና ቫቲካን መግለጺ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊጡርጊያዊ ዓውደ ኣዋርሕ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

በዓለ ልደት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመነ ምጽኣት፡ ምጅማር ሊጡርጊያዊ ዓመት፡ ዕለት 8 ታሕሳስ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ድሕሪ ቐትሪ ንኽብሪ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ስጳይና ናብ ዘሎ ሓወልቲ ንጹሕ ስንሰታ ለማርያም ክነግዱ እዮም። ኣብታ ሰሙን እቲኣ ዕለት 12 ታሕሳስ ቅዱስ ኣቦና ንዝኽሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ከም ዝኾኑን ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት ዕለት 14 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመዓልቲ ኢዮቤል እሱራት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊጡርጊያዊ ዓውደ ኣዋርሕ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ ይሕብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዋዜማ በዓለ ልደት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 22፡00 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑን ንግሆ ልደት ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኽዕኑን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ማእከል ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ “Urbi et Orbi - ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን” ክባርኹ ምዃኖም መግለጺ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊጡርጊያዊ ዓውደ ኣዋርሕ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ዓመት

ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ዕለት 31 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ጥሪ ዝበዓል በዓለ ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ምኽንያት ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርኽ መሪሖም ክድግሙን ከምቲ ብስርዓት ሊጡርጊያ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስለ እቲ ጸጋታቱ ኩሉ ንምምስጋን ጸሎተ Te Deum – ስቡሕ ኣንተ ክመርሑ እዮም። ንጽብሒቱ ንግሆ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ መበል 59 ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም እውን ከኽብሩ እዮም።

ዕለት 6 ጥሪ ብምኽንያት በዓለ ኣስተርእዮ ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ቅድሚ እቲ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣፍደገ ብኽብሪ ዓጽዮም ብወግዓዊ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ከዛዝሙ እዮም። ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ቀዳመይቲ ሰንበት ዕለት 11 ጥሪ በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ክሰርዑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊጡርጊያዊ መርሓ ዕለት ጠቒሱ የመላኽት።

01 Oct 2025, 17:17