ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀዳመይ ሓዋርያዊ ምዕዳን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ መጀመርታ Dilexi te - ኣፍቀርኩከ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ዝኸተምዋ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ኣብ ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ንንባብ ክትበቅዕ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 4 ጥቅምቲ ንግሆ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 8፡30 ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ኣብ ዘሎ ናይ ብሕቲ ቤተ መጻሕፍቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ Dilexi te - ኣፍቀርኩከ  ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሕዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ቅድሚ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ተካኢ ሓፈሻዊ ጉዳያት ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፐይና ፓራ ክታሞም ከም ዘንበሩን እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ሓሙስ ዕለት 9 ጥቅምቲ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 11፡30 ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ብወግዒ ንንባብ ክበቅዕ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

05 Oct 2025, 11:13