2025.10.06 ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሊቱዋንያ ርእሰ ብሔር ናውሴዳ 2025.10.06 ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሊቱዋንያ ርእሰ ብሔር ናውሴዳ  (@Vatican Media)

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሊቱዋንያ ርእሰ ብሔር ናውሴዳ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃገረ ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ጊታናስ ናውሴዳ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስሞዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ጊታናስ ናውሴዳ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ናውሴዳ ድሕሪ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየዶ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ ክልቲኦም ወገናት "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሊትዋንያን ብዘሎ ሰናይን ፍርያምን ዝምድና" ዕጉባት ምዃኖም ከም ዘረጋገጹ ካብ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ኣህጉራዊ ጉዳያት ከም እተመያየጡን፡ "ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝተመርኮዘ ፍታሕ ኣድላይነትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ምሕያልን በዚ ኣገባብ እዚ እውን እቲ ዘይግመትን ዘስካሕክሕን ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል ሓደጋ ምብራኽ እቲ ግጭት ምውጋድን ከምዘድሊ” ከም ዘጉልሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

Photogallery

ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሊቱዋንያ ርእሰ ብሔር ናውሴዳ
06 Oct 2025, 17:43