ር.ሊ.ጳ. ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ነቲ ናይ ሓኪም ሰብኣዊ ትንካፈ ፈጺሙ ክትክኦ ኣይክእልን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 2 ጥቅምቲ ንልኡካን ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ሓኻይም ኮንፈደራላዊ ማሕበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቦሎም ጽፈት ዘለዎ ክንክን ጥዕና ንምሃብ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ብምምስጋን፡ ነቲ ዓሚቝ ሰብኣዊ ሸነኽ ጸዋዕታኦም ክሕልውዎ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይቲ ካብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ሓውሲ ደሴት ኣይቤርያን ካሪብያን ዝመጹ ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ሓካይም ዝሓቁፍ ኮንፈድራላዊ ማሕበር ሓኻይም ልኡካን ሰላምታ ኣቕሪቦም። "ስለቲ ዘይሕለል ኣገልግሎትኩም አመስግን - ቢሎም - ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ዕለት2 ጥቅምቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ቅዱሳን ሓለውቲ መላእኽቲ እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝካር፡ ልክዕ ከምቲ መላእኽቲ ዚሓልዩናን ኣብ መገዲ ህይወት ዜዕቍቡናን በዚ መሰረት ድማ "ብዛዕባ ርክብ ሓኪምን ሕሙምን ከስተንትኑ ዓዲሞም፡ ቅዱስ ኣውጉስጦኖስ ንክርስቶስ ሓኪምን ፈውስን - Ipse medicus , ipse medicamentum እንክብል ከም ዝገለጾ ጠቒሶም፣ ኢየሱስ፡ “ቃል ስለ ዝዀነ ሓኪም፡ ቓል ስጋ ስለ ዝዀነ ድማ መድሃኒት እዩ። ኪኖ እቲ ንሕማማት ንምፍዋስ ዝጥቀሙሉ መሳርሕታት፡ ኣብቲ ስነ ፍወሳ ተግባሮም ዝምድና፡ ዘተን ርክብን ሓድሕዳዊ ምርኻብን ኩሉ ግዜ ክህሉ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፈውሲ ምትንኻፍ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ነቲ ለምጻም ከም ዝፈወሶ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል (ማር. 1፡ 40 – 42) ጠቒሶም "እዚ ነፍሲ ዘይብሉ ተግባር ዘይኮነስ፣ ኣብ መንጎ ለምጻምን ኢየሱስን ኣብ ዘሎ ብሕታዊ ርክብ ኣብቲ ኺትንክፍ ዘይክእል ጥዕናን ድሕነትን ዚረክብን እተመስረተ እዩ" ንኢየሱስ ኣብ ምቕባሉ እዩ . . . ናይቲ “ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ቬንዙዌላ ካብ ዝነበሩ ፍሉጣት ሓኻይም” ዝዀነ ቤተ ክርስቲያን ብጹዕ ዝበለቶ ኾሴ ግረጎርዮ ሄርናንደዝ ኣብነት እውን ዘኪሮም፡ ንሕክምናዊ ብቕዓት ምስ ተወፋይነት ንኣዝዮም ድኻታትን ተቓላዕትን ብኸመይ ከም ዘወሃሃዶን በዚ ድማ፡ “ሓኪም ድኻታት” ዝብል መዓርግ ክረክብ ከም ዝገበሮ ኣስተብሂሎም፣
እደ ጥበብን ሰብኣዊ ቅርበትን
ቀጺሎም ናብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ስነ ሕክምና ብምቕናዕ ስነ ክንክን ጥዕና ኣብ ምምሕያሽ ዓቢ ሓገዝ ምዃኑ ገሊጾም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ሓኪም "ነቶም ዚሳቐዩ ህድኣትን ተስፋን ዜምጽእ መዕቈሪ ፍቕሪ" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዘኪሮም፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ምምሕያሽ ስነ ሕክምናን ክንክን ጥዕናን ዓቢ ሓገዝ ምዃኑ ገሊጾም። ነቲ ናይ ሓኪም ሰብኣውነትን ንናይ ቅርበት ምልክት ወይ ንሓደ ናይ ምጽንናዕ ቃል ፈጺሙ ክትክኦ ኣይክእልን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ኣብ ቅድሜና ዘሎ መንገዲ ተስፋ ንገብር
ኣብ መደምደምታ ነቲ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝገጥሞም ዘሎ "ዓብዪን ዘነቓቕሕን ብድሆታት" ኣፍልጦ ብምሃብ ብተስፋ ክገጥምዎ ድማ ኣተባብዕዎም። እቲ "ተስፋና" ዝዀነ ክርስቶስ ኢሱስን ንቅድስት ድንግል ማርያምን ረዳኢተ ህሙማንን "ኣብዚ ዅላትና ናብ ቤት ኣቦ እንገብሮ ጕዕዞ" ከሰንዩና ከም ዝጸለዩ ኣፍሊጡ።
