2025.10.07 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ክሮኤሽያ፡ ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም ማይ ብሑቝ ሰላም ኩኑ 2025.10.07 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ክሮኤሽያ፡ ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም ማይ ብሑቝ ሰላም ኩኑ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ክሮኤሽያ፡ ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም ማይ ብሑቝ ሰላም ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ካብ ክሮኤሽያ ዝመጹ ነጋድያን ተስፋ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ሎሚ እውን ተዓቂቡ ኣብ ዘሎ “ዝተቐበለልዎ ትውፊት” ዝተሰረተ ክርስትያናዊ ምስክርነቶም ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምስጋና ንኢየሱስን ማርያምን!” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.  ልዮን መበል 14 ዕለት 7 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ኣስታት 10 ሽሕ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ነጋዲያን ተስፋ ክሮኣሺያውያን ሰላምታ ኣቕሪቦም። ካብ መላእ ክሮኣሺያ ንቅዱስ ዓመት ንምኽባር ንሃገራዊ ንግደት ሮማ ንዝኣተዉ ካቶልካውያን ማሕበረሰብ ክሮኣሺያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓያሎ ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮን ናይ ዛግረብ ሊቀ ጳጳሳት ድራዘን ኩትለሻ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅድሚ ምስታፎም ቅዱስነቶም ካብ ካስተል ጋንደልፎ ኣብ ምምልሳም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ቃል ሰላምታ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዘመናት ዝመሓላለፈ ህያው እምነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ህላወ ብዙሓት ነጋድያን ተስፋ “ንጹር ምልክት ህያውነት እምነት” ናይቲ “ብዘመናት ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረት ጸኒዑን ንተካኢ ሃዋርያ ጴጥሮስ እሙን ኮይኑ ዝጸንሐን” ህዝቢ ክኣኤሽያ ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም። እዚ ምስክርነት ሎሚ ብኣባይቲ ስድራ፡ ብማሕበረሰባት ቍምስናታትን ማሕበራትን ከም ዝግለጽ ኣመልኪቶም . . . “ካብ ኣቦታትኩም ዝረኸብኩምዎ ትውፊት ክቡር ሃብቲ እዩ፣ ብጥንቃቐ ክትዕቅብዎን ብቐጻሊ ክትሕድስዎን ትጽውዑ፣ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዘነቓቕሕ ንምፍላጥ ኩሉ ግዜ ክፉታት ኮይንኩን ክትጸንሑን፣ በዚ ተኣማንነት እዚ፣ ኣብ ጭቡጥነት ዕለታዊ ሕይወትኩም እትነብርዎን እትምስክርዎን ብምዃንኩም ድማ ካብ ልቢ የመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

እምነት ምስ ሓደስቲ ወለዶታት ምክፋል

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ክሮኤሽያውያን ኣብ “ክርስትያናዊ ዓንድታቶም” ሱር ዝሰደደ ህዝቢ ምዃኑ ገሊጾም፣ ንሳቶም “ንክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን” ዘለዎም ፍቕሪ ምስክርነት ይቕጽሉ ከም ዘለዉን፣ ዋላ እኳ ብዙሓት ሕጂ “ብስራሕ፣ ብመጽናዕቲ፣ ወይ ብኻልእ ድሌታት ካብ ዓዶም ርሒቖም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ይኹን” ነቶም ነጋድያን ተስፋ እምነቶም ህያው ክገብሩ ኣተባቢዖም፤ “ኩሉ ግዜ ኣጠማምትኹም ናብቲ ዝመርሓኩምን ዘሰንየኩምን ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ኣተኲርኩም ብኣኡን ብተኣማንነትን ብተኣዛዝነትን ክትምርሑ እላቦ። እምነት ምስ እተካፍላ ከም እትዓብን ከም እትድልድልን ኣይትረስዑ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ ነዊሕ ታሪኽኩምን ባህልኹምን ዝቐረጹ ክርስትያናዊ ክብርታት ናብ ደቅኹምን ሓደስቲ ወለዶታትን ብሓጐስ ከተመሓላልፉ እዕድመኩም። በዚ መንገዲ እዚ ድማ ኣብዛ ብዓመጽን ውግኣትን እተበታተኸት ዓለም ናይ ሰላምን ሰናይን ተስፋን ማይ ብሑቝ ክትኮኑ ኢኹም” እዚ ንስኻትኩም እውን ኣብ ታሪኽኩም እትፈልጥዎ ነገር እዩ” ምስ በሉ፣ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ልዕሊ ኩሎም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ በረኸት ኣምላኽ ተማሕጺኖም ንህዝቢ ክሮኣሽያ ንማርያም እምንቲ ጠበቓ  “ክትከላኸለሎምን ኣብ መዓልታዊ ጒዕዞ ከተሰንዮም” ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Oct 2025, 17:20