ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እግዚኣብሔር ናይ ሓባር ገዛና ተኸናኺና እንተ ዄንና ክሓተና እዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እግዚኣብሔር ናይ ሓባር ገዛና ተኸናኺና እንተ ዄንና ክሓተና እዩ  (AFP or licensors)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እግዚኣብሔር ናይ ሓባር ገዛና ተኸናኺና እንተ ዄንና ክሓተና እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ ኣብ ኣህጉራዊ ጉባኤ ፍትሒ ከባቢ ኣየር፣ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስነ - ምህዳር ዝደረስዎ “ስብህ ኣንተ” ዘርእስቱ ዓዋዲ መእኽቲ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ግዚኡ ምስ ኣኸለ እግዚኣብሔር ናይ ሓባር ቤትና ተኸናኺናዮ እንተ ዄንና ክሓተና እዩ ኣንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 1 ጥቅምቲ 2025 ድሕሪ ቀትሪ ንዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ Laudato Sì - ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ምኽንያት Laudato Sì - ስቡህ ኣንተ’ እተሰምየ ምንቅስቓስ Raising Hope - ተስፋ ምንቕቓሕ ብዝብል ኣርስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተርኺቦም መደረ ከምዘስምዑን፣ ኣብ መደረኦም፡ ንሕድሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስቡሕ ኣንተ ዘርእቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ምስጋናኦም ገሊጾም፡ ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣስተምህሮ፣ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ሃገረ ስብከታት፡ ስነ ትምህርቲ መደባት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣህጉራዊ መዳያትን ዘተ ከም ዘነቓቕሐ ቅዱስነቶም ኣብ መደረኦም ገሊጾም፣ “ጽልዋ ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ናብ ዋዕላታት፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ተበግሶታት፡ ቁጠባውን ንግዳውን ዓንኬላት፡ ከምኡ’ውን ናብ ቲዮሎጊያን ስነ ሕይወት ስነ ምግባርን መጽናዕትታት ተዘርጊሑ እዩ፣” ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ “ንሓባራዊ ገዛና ሓልዮት” ዝብል ሓረግ፡ “ኣብ መላእ ህዝብታትን ኣህጉራትን ኣብ ዝግበር ስነ ትምህርታዊ ዕዮታትን ህዝባዊ ምይይጥን ዝጥቀመሉ፡ መሰረታዊ ሓሳብ ኮይኑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ልቢ ምልዋጥ

​እዚ ብድሆታት እዚ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጥራሕ ዘይኰነስ መንፈሳዊ እውን ብምዃኑ እዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ “ናይ ልቢ ምልዋጥ” ከም ዘድሊ ጻውዒት ዘቕረቡ፣ እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምዝኽካር፣ ልቢ “ዝዓሞቐ ምፍታሽ ዝካየደሉ፣ ናይ ሓደ ሰብ ናይ መወዳእታ መንነት ዝረከበሉ፣ ውሳኔታት ዝፍጠረሉ እዩ። ናይ ልቢ ምልዋጥ ጥራይ እዩ ሓቀይና ምህዳራዊ ምልዋጥ ክሀልዎ ዝኽእል - ቢሎም - እዚ ለውጢ እዚ፡ “ካብ ምእካብ መረዳእታ ናብ ሓልዮት፤ ካብ ስነ ምህዳራዊ ክትዓት ናብ ብእምነትን ፍቕሪ ኣምላኽን ዝተደፋፍአ ኣነባብራ” ምስግጋር ዝብል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኩሎም ሓደ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝሃብዎ መግለጺ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14  ጠቒሶም፣ ንተሳተፍቲ ስነ ምህዳራዊ ሓልዮት፣ ፍትሒ ንድኻታት፣ ማሕበራዊ ተወፋይነትን ውሽጣዊ ሰላምን ዘይነጻጸሉ ምዃኖም ብምዝኽካር፣ ንቀጻሊ ዓለማዊ ዋዕላታት፡ እንኮላይ COP30 ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራትን ኣብ 2026 ዝካየድ ዋዕላ ማይ ሕቡራት ሃገራትን፡ መራሕቲ ንኣውያት “ምድሪን ድኻታት፡ ኣባይቲ ስድራን፡ ደቀባትን፡ ብዘይፍቓዶም ንስደት ዝዳርጉን ኣመንትን ኣብ መላእ ዓለም” ክሰምዑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልስና እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መደረኦም “እግዚኣብሔር ነታ ዝፈጠራ ዓለም ዘማዕበልናን ዝተኸናኸንናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓለይትን እንተኾንና ክሓተና እዩ፡ ቢሎም መልስና እንታይ ክኸውን እዩ?” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Oct 2025, 17:13