ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ እግዚኣብሄር ብዘይ ቂምታ ይቕረ ይብል ካብ ዝወደቕካሉ የተንስእ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ጥቅምቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝምጹ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕልተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ እግዚኣብሔር ይቕረ ከም ዝብልን ካብ ዝወድኽካሉ ዘልዕልን ምትእምማን ከም ዘሐድስን፡ ብዘይ ቂምታ ካብ ቁስሊ ንምርሓቕን ውሽጣዊ ሰላም ኣብ ምዅስኳስን ፍጹም ኣብነት ወዱ ክንስዕብ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትንሳኤ ክርስቶስ ምንጪ ተስፋና እዩ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና እዩ ብዝብል ኣርስቲ ዘበገስዎ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስ ብምቕጻል፣ ማእከል እምነትናን ልቢ ተስፋናን ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ብጽኑዕ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ብምዝካር፣ ወንጌል ኣጸቢቕና ከነንብብ እንኮለና፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘገርም ምዃኑ፡ ሓደ ሰብ – ወዲ ኣምላኽ – ካብ ሞት ስለ ዝተንስአ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ንሱ ክገብሮ ዝወሰነሉ ኣገባብ’ውን ንርዳእ፣ "ብሓቂ ትንሳኤ ኢየሱስ ቦምባዊ ዝኾነ ዓወት ኣይኮነን፡ ሕነ ምፍዳይ ወይ ሕነ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ እውን ኣይኮነን - ቢሎም - እንታይ ደኣ "ፍቕሪ ነቲ ደው ዘይብል ጉዕዞኡ ንምቕጻል ድሕሪ ዓቢ ስዕረት ከመይ ጌሩ ዳግማይ ክለዓል ከም ዝኽእል ዘደንቕ ምስክርነት እዩ።"

“ትንሳኤ ኢየሱስ ፍቕሪ ነቲ ደው ዘይብል ጉዕዞኣ ክትቅጽል ድሕሪ ዓቢ ስዕረት ዳግማይ ክትንስእ ከም እትኽእል ዘረጋግጽ ዘደንቕ ምስክርነት እዩ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣተሓሳስባና ካብ ናይ ኣምላኽ ከመይ ይፍለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣተሓሳስባናን ግብረ መልስናን ካብ ናይ ክርስቶስ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም።"ድሕሪ ብኻልኦት ምኽንያት ዘጋጥመና ስንባደ እንደገና ክንትንስእ እንኮለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ቀዳማይ ግብረ መልሲ ሕርቃን፡ ንሓደ ሰብ በቲ ዘጋጠመና ክኸፍል ዝብል ድሌት እዩ፣ ዝተንስአ ግን “ካብ ሞት ካብ ትሕቲ መሬት ይወጽእ" "ሕነ ኣይፈድን - ምስ በሉ ኣስዒቦም ሓይሊ ዘይኮነ ብለውሃት ካብ ዝኾነ ቁስሊ ዝዓብን ካብ ዝኾነ ክሕደት ዝሓየለን ፍቕሪ ሓጎስ እዩ ዝመጽ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ደጊም ልሙሳት ኣይኮናን

ብተወሳኺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኢየሱስ ንናይ ገዛእ ርእሱ ልዕልና ክደግም ወይ ከረጋግጽ ኣድላይነት ከምዘይስምዖ ገሊጾም፣ እንታይ ደኣ ንኣዕሩኽቱ ይቐርብ እሞ “ንፍጥነት ተቐባልነቶም ከየገደደ ብዓቢ ጥንቃቐ ዝገብሮን፣ ምስኦም ናብ ሕብረት ንምምላስ ካብ ዘለዎ ድሌት ጥራይ እዩ ዝገብሮ፣ እዚ ድማ በደሎም ንምስዓር ዝሕግዞም” ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ኢየሱስ "ብፍርሒ ዝለመሱ ሰባት ናብ ዕጹው ክፍሊ ከም ዝኣቱ፡ ዝኾነ ሰብ ተስፋ ክገብረሉ ዘይደፍር ህያብ ከም ዘምጽኣሎም ዘኪሮም፡ ንሱ ድማ ሰላም እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን'

ጐይታ ‘ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን!’ ዝብል ዘቕረቦ ሰላምታ፡ ዘደንቕ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣስተውዒሎም፡ ኣዝዩ ቀሊልን ዳርጋ ተራን ኣገላልጻ ድማ ብምዃኑ ብዙሕ ይምህረና። ይኹን እምበር ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣእዳዉን ጐድኑን ምልክት ሕማማቱ የርእዮም እዚ ስቓይ እዚ "ኣዝዩ ጽቡቕ" ምልክት ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም፣ ኢየሱስ ምስ ኵሉ እቲ ዘሕለፎ ስቓይ ምሉእ ብምሉእ ስለ እተዓረቐ ጽላሎት ቂምታ ከም ዘይነበረ ገሊጾም፣  ጐይታ ቁስሉ ከርእይ እንከሎ ንመግናሕቲ ዘይኰነስ ካብ ዝዀነ ይኹን ጥልመት ዚብርትዕ ፍቕሪ ንምርግጋጽ እዩ፣ "ኣብ እዋን ውድቀትና እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ - ከም ዘይጥንጥነና መርትዖ እዩ - ቢሎም - “ኣብታ ናይ ውድቀትና ህሞት እውን እንተኾነ እግዚኣብሔር ንድሕሪት ኣይምለስን። ተስፋ ኣይቆረጸናን”  ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ተስፋ ምሕረት ምልዋጥ

ጥልመት ኪጐድኣና እንከሎ መብዛሕትኡ ግዜ "ኣየገድሰንን እዩ ንብል፣ "ኵሉ ኣብቂዑን ዝሓለፈን ታሪኽ እዩ ክንብል ንኽእል፣ ግን ብሓቂ ሰላም የብልናን። ይኹን እምበር ጎይታ "ንቝስሉ ኸም ውሕስነት ይቕረታ ምብሃልና ገይሩ ስለ ዜቕርቦ፣ ከምኡውን ትንሳኤ ንዝሓለፈ ኸም ዝስርዝ ዘይኰነስ ናብ ተስፋ ምሕረት ምቕያር ዘርኢ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እግዚኣብሄር ይቕረ ይብል፣ የልዕል፣ ምትእምማን ይመልስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጐይታ ብቃላት ሰላም ኣቢሉ ንሓዋርያት ኣብ ዓለም መሳርሒ ዕርቂ ናይ ምዃን ሓላፍነት ከም ዝህቦም ኣስሚሮምሉ፣ ኣብ ልዕሊኦም ኣስተንፊሱን መንፈስ ቅዱስ ብምሃብን፣ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ተኣዛዝነት ኣቦን ብፍቕሪ ክሳብ መስቀል ከይተረፈ ዝደገፎ ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣስተውዒሎም፣ "ካብታ ህሞት እቲኣ ጀሚሩ" ሓዋርያት ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ማለት "ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዚብልን ከም ዜተንስእን ምትእምማንን ከም ዚመልስን ካብ ምምስካር ክቦኽሩ ኣይክእሉን እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሕና እውን ተላኢኽና ኢና

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14  "እዚ ሕመረት ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ስልጣን ምምሕዳር ዘይኰነስ ሓጐስ ናይቶም ብይግብኣኒ ዘይኮነስ ብናጻ ናይ ዝተፈቕሩ ሰባት ንምግላጽ እዩ . . . "ንክርስትያን ማሕበረሰብ ዝወለደን ከም ዝዓብይን ዝገበረ ሓይሊ ኢዩ - ምስ በሉ - ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ኣመንቲ "ንሕና እውን ተላኢኽና ኢና" እንክብሉ ኣዘኻኸሮም፣ "ጐይታ ቍስሉ የርእየና ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን" ይብለና ናይ ሰላሙ መሰኻኽር ክንከውን ይሓትተና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Oct 2025, 17:27