ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንስርዓት ፈረሰይናታት ኮሎምቦስ ቅድስና ሕይወት ስለ ዝድግፉ የመስግኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ቤት ምኽሪ ምሕደራ ናይቲ ኣብ 1882 ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ሕውነታዊ ኣገልግሎት ስርዓት ፈረሰይናታት ኮሎምቦስ ኣብ እዋን ኢዮቤል ተስፋ ናብ ሮማ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ምኽንያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 6 ጥቅምቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ከም ኣካል ንግደት ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ምሕደራ ስርዓት ፈረሰይናታት ኮሎምቦስ ተራኺቦም፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝገብርዎ ሰፊሕ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፣ ኣብ ቅዱስ ዓምተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ነጋድያን ድሮ ናብ ዘልኣለማዊት ከተማ ከምዝነግዱ ሓቢሮም፣ . . . ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ታሪኻዊ ሓወልትታት ናብ ዝነበሮ ጥንታዊ መልክዑ ክምለስ ዝተገብረ ናይ ሕዳሴ ስራሕ ክኡል ብግባሮም እውን ኣመስጊኖም፣ “እዘን ብሉጻት ስራሓት እዚኣተን፡ ንዅሎም እቶም ዚጥምትዎ በጻሕቲ፡ ክልተ ኻብቲ ቐንዲ መትከላት እምነትና ንኸስተንትኑ ይሕግዞም፡ እዚኣቶም ከኣ፡ ሓቀይና ህላወ ኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ተካኢ ጴጥሮስ ንቤተ ክርስቲያን ዝጥርንፍን ዝመርሕን” ዝብሉ ምዃኖም ኣብሪሆም፣ ስርዓት ፈረሰይናታት ኮሎምቦስ ኣብዞም ውጥናት ንቅድስቲ መንበር ንምሕጋዝ ዝገብሮ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ “ንተካኢ ክርስቶስ ዘለኩም ቀጻሊ ተወፋይነት ዘረጋግጽ ምልክት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“እዚ ስርዓት ኣብ ምሉእ ታሪኹ ንናይ ሮማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝተፈላለዩ መገድታት ንግብረ ሰናይ ኣገልግሎቱ ዝድግፍ ኮይኑ፡ ብመንገዲ ተካኢ ክርስቶስ ስልዕቲ ኣቢልኩም እተካይድዎ ሓዊሱ፡ እዚ ድማ ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ድኻታትን ኣዝዮም ተቓላዕትን ዝገብሮ ደገፍን ቅርበትን ብጭቡጥ መገዲ ክገልጽ የኽእሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሓሳቦም ናብቲ ኣብ መላእ ዓለም ብዘለዉ ከባብያዊ ናይቲ ስርዓት ባይቶ ኣቕኒዖም፣ ፈረሰይናታት ኮሎምቦስ ፍቕርን ርህራሄን ክርስቶስ ናብ ከባብያዊ ማሕበረሰባት ንምብጻሕ ናይ ዝገብርዎ ጻዕሪ መረጋገጺ ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም፣ ፈረሰይናታት ኮሎምቦስ ንቕድስና ህይወት ደቂ ሰብ ኣብ ኵሉ ደረጃታቱ ንምሕላው ነቶም ግዳያት ውግእን ባህርያዊ ሓደጋታትን ንምሕጋዝ ከምኡውን ናይ ክህነት ጽዋዕታ ንምድጋፍ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓድነት ክህሉ ከም ዝገብሩ እውን ገሊጾም፣ ኣብ መደምደምታ፡ ንቤት ምኽሪ ምሕደራ ስርዓት ፈረሰይናታት ኮሎምቦስን ንስድራቤቶምን ፍረ ዘለዎ ጕዕዞ ተመነዮም፣ ኣብ ሮማ ኣብ እትጸንሕሉ እዋን "እምነትኩም ክድልድል ተስፋ እገብር፣ ንቤተ -ክርስትያን ዘሎኩም ፍቕሪ ድማ ከዕምቖ" እጽልይ ምስ በሉ፣ ነቲ ክቡር መስራቲኹም ብፁዕ ማይክል ማክጊቭነይ ዝጀመሮ ብቑዕ ተልእኾ ንምቕጻል ብርታዐን ይሃልኹም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
