ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ምስኡ፡ ኣብኡን ኣብ ነንሕድሕድኩም፡ ንኣሽቱ መብራህቲ ህይወትኩም ኣብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ኣብ ዘለዎ ዓቢ ውጥን ሰላምን ድሕነትን ኣሰር መንገዲ ብርሃን ይኸውን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ዘጸናንዕ መዘኻኸሪ ዕለት 10 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ሰብ ውፉይ ህይወት ንዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣስተብሂሎም፣ ኣብ ክርስቶስ ሱር ሰዲዶም ክነብሩን ብምስክርነቶምን እምነቶምን ንጐይታ ናብ ካልኦት ኣብ ምብጻሕ ክቕጽሉ የተሓሳስቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተረኽቡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኩሎም ኣባላት ሰብ ውፉህ ህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝውክሉ ምዃኖም ብምዝኽካር፣ ምስኦም ምርኻቦም ዝፈጥረሎም ሓጎስ ገሊጾም፡ ብኣኹም ኣቢለ "ኣብ ርሑቕ ኩርናዓት ምድሪ - ዘለዉ ብዙሓት ሰብ ወፉይ ህይወት ልባዊ ቅርበተይ ኣረጋግጽ ኢሎም።
ኢየሱስ ናይ ምስዓብ ዘደንቕ ስብእና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደጊሞም ንቤተ ክርስቲያን ብዙሕነቶምን ጸጋታቶምን ናይቲ ዝውክልዎ መልክዓት ውፉይ ሕይወትን ኣገልግሎትን ከም ዘድልያ ኣረጋጊጾም፣ "ብህይወትኩምን ምስክርነትኩምን ናይ ሓደ ክርስቶስ ማእከልን ጎይታን ዝኾነሉ ህይወትን፡ "ንዓለም ኣብ ምንቃሕ" ክትሕግዙ ትኽእሉ ኢኻትኩም። ኣብዚ መዳይ እዚ ኩልኹም ኣብ ክርስቶስ ሱር ሰዲድካ ምንባር ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ምጉላሕ ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ እዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፣ “ከም ክፍሊ እቲ ንእየሱስ ብዝያዳ ናይ ምስዓብ ዘደንቕ ስብእና ተልእኾኹም ብፍረ ኽትፍጽሙ ትኽእሉ። በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢኹም ተልእኾኹም ፍርያም እትገብሩ” ዝበሉ ቅዱስነቶም "ናብ ሕመረት ክምለሱ" ማለት ናብቲ "ነቲ ንመጀመርታ ታሪኽኩም ዘነቓቕሖ ብልጭታ እንደገና ክትረኽቡሉ እትኽእሉሉ ቦታ" ክምለሱ ሓቲቶምዎም ብጸሎት ዝጸንዕ ውሽጣዊ ህይወት ከማዕብሉ ኣድላዪ ምዃኑ ኣዘኻኸሮም፣ ብተወሳኺ እውን ኣብ ኣልባብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዓሚቝ ተስፋን ሰላምን ከም ዘድሊ ኣጕሊሖም፣ "ንስኻትኩም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብቓላትኩምን ኣብነትኩምን ልኡኻት ስኒት ኴንኩም ብህይወትኩም ጸወርትን ምስክርን ክትኰኑ እትደልዩ ኢኻትኩም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘይተኣደነ ዋጋ ዘለዎም ሕቡኣት መዓልታዊ ምልክታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ምሉእ ዘመናት ውፉይ ሕይወት ወትሩ ፍሉይ ኣቓልቦ ዝህቦ ዓቢ ኣገልግሎት ዘኪሮም፡ "ክሳብ ሎሚ እውን እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ህቡእ መዓልታዊ ተግባራትኩም ፍሉይ ዕድል ዝህብ እዩ።" ኣብዚ ዓውዲ እዚ "ሓለውትን ኣተባባዕትን ናይዚ ዓቢ ትውፊት ኣብ ምዃን ክቕጽሉ፣ ሲኖዶውነት ክስዕቡ፡ ኩላትና በዚ ኣንፈት እዚ ብሓባር ንጓዓዘሉ ኣብ ዘለና መንገዲ እሙናት ኮይኖም ክቕጽሉ" ከምኡ'ውን "ንቐጻሊ ምሕዳስ ኣካል ክርስቶስ ኣብ ዝምድናታት፡ መስርሕን ኣገባባትን ክነብሩ" "ዘቤታዊ ዘተ" ከማዕብሉ ኣተባቢዕዎም፣ ነቶም ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዓለምን ንዝገብርዎ ዓቢ ሰናይ ዘበለ ኵሉ ብምምስጋን መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
