ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ኢስቶንያ፡ 'ኤቍመናዊ ምስክርነትኩም ጸረ ጽልኢ እዩ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ነጋድያን ኣብ ሮማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ቦታታት ኣብ ዝነግድሉ እዋን ነቲ ኣብ መብጽዓታት ጐይታ ዘለዎም ተስፋ ከደልድሉን ናብ ቤቶም "ብሓጐስ ተመሊእዎም" ክምለሱን ነቶም ዝረኽብዎም ወንጌል እናበሰሩ እምነቶም ንኸካፍሉ ድሉዋት ክዀኑን” ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስክርነት ሊቀ ጳጳስ ብጹእ ኤድዋርድ ፕሮፊትሊኽ
ቅዱስነቶም ገለ ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ሉተራዊት ኢስቶንያን ካልኦት ካቶሊክ ዘይኰኑን እንኮላይ ነቲ ዕለት 6 መስከረም ኣብ ታሊን እተኻየደ ብሊቀ ጳጳሳት ቪየና ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ዝመርሕዎ ሊቀ ጳጳሳት ኤድዋርድ ፕሮፊትሊች - ኢየሱሳዊ ካህን (1890-1942) ብጽዕና ዝድግፍ ጉጅለ ኣብቲ ርክብ ምህላዎም ኣስተብሂሎም፡ ሊቀ ጳጳሳት ኤድዋርድ ፕሮፊትሊክ ቤተ ክስርቲያን ብጹዕ ሰማእት ዝበለቶም ኣብ ኢስቶንያ ብጽእና ዝተኣወጀሎም ናይ መጀመርያ ምዃኖም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ጀርመን ዝተወልዱ ኣብ ኢስቶኒያ ሓዋርያዊ መስተናብር ኮይኖም ዝተሰምዩ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ሶቭየት ሕብብረት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ካብ ኢስቶኒያ ካብ ምውጻእ ጓሳ ዕጫ መጓሰኡ ክካፈል ኣለዎ ብምባል ኣብኡ ከም ዝተረፈኡን እዚ ጅግንነታዊ ምርጫ እዚ ድማ ኣብ 1942 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሶቭየት ሕብረት ክእሰሩን ኣብኡ ድማ ክሞቱን ምኽንያት ከም ዝኾኖን የመላኽት።
ንጽልኢ ብሓድነት ምቅላስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ፡ እቶም ነጋድያን ዝገበርዎ ርክብ ንሓድነትን ምስክርነትን ናይቶም ነጋድያን ንኢዶም፡ "እቲ ብሓባር ንግደት ብምብጋስ ጥራይ ክዓቢ ዝኽእል ኤቍመናዊ ምስክርነትኩም ናይቲ ብጹእ ኤድዋርድ ባዕሉ ዝሃቦ ምስክርነት ሰናይ ነጸብራቕ እዩ፡ ከምኡ'ውን ንባዕሉ ጸረ ናይቲ ኣብ እዋን ስርዓት ሶቭየት ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዝፍጽሞ ንዝነበረ ኣሳዶን ኣዝዩ ዘሕዝን ጽልኢን እዩ - ምስ በሉ - ኣስዒቦም፡ "ሎሚ ከምቲ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝፍጸም ዘሎ ስነ - መጎት ውግእ ንርኢ ኣለና፡” ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "ንሰላም ኣበርቲዕኩም ክትጽልዩ እምሕጸን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምልክታት ተስፋ ክህነትን ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ንሓጺር እዋን ንክልተ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ጉጅለ ነጋድያን ዝሓበሩ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ክልተ ሓደስቲ ካህናት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ "ነቲ ጐይታ ንዕኡን ንቤተ-ክርስትያንን ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ንኽውፈዩ ዘቕረቦ ጻውዒት "እነኹልካ" ቢልኩም ኣብ ምቕባል ዘርኣኽምዎ ልግሲ ብሓቂ ምልክት ተስፋ ናይቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ማሕበረሰብ ክርስትና እዩ፡ ንጸዋዕታኹም ዝሃብክሞው ምላሽ ብዙሓት ካልኦት እውን እነኹልካ ንኽብሉ የተባብዖም፡ ንጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ንፍልቀት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስቶኒያ ብምንኣድ፡ ቅድሚ ሓደ ዘመን ኣቢሉ ሓዋርያዊ ምምሕዳር ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ኢስቶኒያ ናብ ደረጃ ሃገረ ስብከት ምድያባ ዓቢ ምልክት ተስፋ ምዃኑ ገሊጾም። "ኣብዚ ህላወኩም ብኣካል ተራኺበ እንቋዕ ሓጎሰኩም ክብለኩም ዕድል ይህበኒ፡ ንሓድሕድኩም፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ምዉቕ ሰላምታይ ዘመሓላልፈሎም ጳጳስኩም ክትጽልዩ እላቦ፡ ምእንቲ ሓድነትኩም ከም ማሕበረሰብ እምነት ኩሉ ግዜ ብጎይታ ክድልድልን ሓደስቲ ኣመንቲ ክስሕብን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንኣኹምን ብኣኹም በረኸት ንብጾትኩምን ስድራ ቤትኩምን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ እዋን ጸጋ ኣምላኽ ንነጋድያን ኣብ መንጎ ቤተ - ክርስትያኖምን ኣብ መንጎ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘሎ ማእሰር ከም ዘደልድል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ነቶም ኣብዚ ዘይተረኽቡ ኩሎም ሰላምታይ ብኣኹም ኣቢለ አመሓላልፍ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንታኦም ከም ዝጽሊ እውን ኣረጋግጹሎም - ቢሎም - ነቶም ኢስቶኒያውን ነጋድያን ተስፋስ ንኣማላድነት ቅድስት ድንግል ኣወኪፎም ሃዋርያዊ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
