ር. ሊ. ጳ.፦ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ነቲ ብሰንኪ ኢሰብኣዊ ዘይምግዳስ ሕብረተሰብ ዝተፈጸመ ባዶነት ኪመ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ምስ ተሳተፍቲ ሓምሻይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኣብ እተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ናይቲኦም ቅድሚኦም ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 መንጠሊና ተቐቢሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረ-ሰባት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ከቢድ ዝዀነ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ብሰፊሑ ብምስትንታን፣ ነቶም ስሞም ዝወሰድዎ ኣብቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ናይ መጀመርታ ማሕበራዊ ዓዋዲ መልእኽቲ ሬሩም ኖቫሩም "ሓድሽ ነገራት" ተገሊጹ ዘሎ ሓቅታት እንደገና መስከሩ።
ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ብሓደስቲ ምንጭታት ጸዓትን ኢንዱስትርያዊ ተክኖሎጅን ቅልጡፍ ምዕባለ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን እኳ እንተ ነበረ፣ እቶም ሽዑ ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ግን ኣብ ክንዳኡስ ኣብ "ኵነታት ድኻታትን ጭቁናትን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣተኲሮም ነበሩ" በሉ።
እቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጸዎ፣ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ደው ብምባል "መብዛሕትኦም ንስልጣን ብተዛማዲ ሒደት ሰባት ምግዛእ፣ ካብ ባርነት ኣጸቢቑ ዝሓይሽ" ዓይነት ስራሕ ውን ኰነንዎ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ፍትሒ ንምድላይን፣ ነቶም ብዘይፍትሓዊ ስርዓት ንሰባት ዝቈጻጸሩ መፍትሒ ንምርካብን፣ ክሳብ ወሰን ሕብረተሰብ ከም ዝበጽሑ ገሊጾም።
"እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ኣገልግሎትካ ብፍቕሪ ዚንቀሳቐስ ኪኸውን ከሎ እዩ" ድማ በሉ። "ኣብ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ክውንነታትን ተመክሮታትን እፈልጥ እየ፣ እምነትን ተስፋን ብፍላይ ከኣ ፍቕርን ዝመልአ ሓቀይና ማሕበረሰብኣዊ ቦታታት ምሓዝ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውርዝና እዩ" ውን ክብሉ ተላበዉ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገጹ ኣብ ድኻታት ስለ ዝሓብእ፣ እታ "ድኻ ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ንድኻታት" ብትብዓትን ብትንቢትን ብሓጐስን ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ክትመላለስ ኣለዋ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቃለ ምዕዳኖም ብምቕጻል፣ ድኻታት ኣብ ወሰን ማሕበረሰብ ኣብ ክንዲ ዝዀኑ "ኣብ ማእከል ወንጌል ኢዮም" ዝርከቡ፣ ቤተ-ክርስትያን ነቲ "ሱር ማሕበራዊ ሕማማት" ዝዀነ ዘይማዕርነት ክትነቕፎ ከም ዘለዋ ድማ ኣረጋጊጾም።
ከምቲ ብግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ዝነበረ ምግልጋል፣ ሓድሽ ገጽ ማሕበራዊ ምጕዳል ፍትሒ ምዃኑ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ኣመልከቱ።
"ብሓጺሩ ሕማቕ ምምሕዳር ንምዕባለ መመኽነይታ ዘይማዕርነት የምጽእን ይውስኽን እዩ" በሉ። "ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ማእከሉ ብዘይምህላዉ ድማ፣ እቲ ስርዓት ኣልቦትነት ኣብ ፍትሒ እውን ከይተረፈ ይፈሽል እዩ ዘሎ" ክብሉ መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር፣ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ከም ዝዀነ ብምግላጽ ኣብዚ ግዜና ኣብ ሕብረተሰብ ንሰባት ዘሳቕዮም ዘሎ ሓያሎ ጸገማት ዘርዚሮም ይርከቡ። እቲ ዝኸፍአ ሥነ ኣከባቢያዊ ቅልውላስ ዘጋጥሞም ዘሎ ድኻታት ህዝብታትን ሃገራትን ምዃኑ ውን ኣጠንቀቑ።
ብካልእ መዳይ ድማ እቲ ንሕብረተሰብ ዚጐድእ ዘሎ "ሓድሽ ነገራት" ከም ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቶም ብሓሶት እተጋነነ ኣነባብራን ቀይዲ ዘይብሉ ዓማዊልን ልዕል ኪብሉ ዝገብር ዘሎ፣ ከምኡ ውን ንድኻታት ዚፈጥሮ ሃረርታ ኣመልኪቶም ኣስፊሖም ተዛረቡ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኤለክትሮኒካዊ ናይ ምጥላዕ መድረኻት ጸሊም ንድፊ ተጠቒሞም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ፍጻመታት ተመርኲሶም፣ ናይ ግዴታ ምርኩስን ወልፊ ዘምጽእ ልማዳትን ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ኣጠንቀቑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ናይ ሥነ መድሓኒታትዊ ኢንዱስትሪ "ኣምልኾ ኣካላዊ ጥዕና ዳርጋ ጣኦት ሰብነት ኮይኑ፣ ንምሥጢር ስቓይ ናብ ኢሰብኣዊ ኩነት ዝቕየረሉ ኣምልኾ ኣካላዊ ድሕንነት" ከም ዘስፋሕፍሕ ይገብር ብምህላው ውን ኰነንዎ።
እዚ ኣረኣእያ እዚ ብፍላይ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ናይ ቃንዛ መድሃኒታትን ከም ኦፒዮይድን ፈንታኒልን ዝኣመሰሉ ቀታሊ መድሃኒታትን ንሰባት ከም ዚውከሉ ይገብር ኣሎ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ መሰረት ዘመናዊ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ዝዀነ ኮልታን ኣብተን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እውን ሓዊስካ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ወተሃደራዊ ዓመጽን ሸቕሊ ቘልዑን ህጻናትን ኣስዒቡ ይርከብ ኣሎ ክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ውን ይገልጹ።
"ሊትዩም ውን ካልእ ኣብነት እዩ" ብምባል፣ "ኣብ መንጎ ዓበይቲ ሓይልታትን ዓበይቲ ትካላትን ዘሎ ውድድር ንልዑላውነትን ርግኣትን፣ ንድኻታት ሃገራት ከቢድ ስግኣት ኮይኑ ኣሎ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሃገራት ዶባተን ንምሕላው ዘለወን መሰላት ደጊሞም ኣረጋጊጾም እንተዀነ ግን ናይ ድሕንነት መሰለን ምስ "ዕቝባ ናይ ምሃብ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ" ሚዛናዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ውን ገሊጾም።
"በቶም ከም 'ዘይተደልዪ' [ስደተኛታት] ተባሂሎም ከም ጐሓፍ ደኣ እምበር ከም ሰብ ገይሮም ዘይርእይዎም ሰባት፣ ኢሰብኣዊ ስጕምትታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" ውን በሉ። "ክርስትና ግን ነቲ ፍቅሪ ዝዀነ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት፣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ኽንነብር ዝጽውዓናን ድማ ኣምላኽ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ቀጺሎም ንህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ነዚ ዓይነት ኢሰብኣውነት እዚ ብምፍታሕ "ተጣበቕቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰኻኽር ፍትሒ ከምኡውን ሓነጽቲ ሓድነት" ብምዃኖም ኣመስገንዎም።
ሰብኣዊ ማሕበራትን ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብሚእታዊ ገምጋም እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ሰራሕተኛታት ከም ዚውክሉን ነቶም ተኣፈፍቲ ሰራሕተኛታት ግቡእ ዕቝባ ኺህቡን ኸም ዘይክእሉን ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ከም ዝገለጽዎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ምስ ክርስትያን ምእመናንን መንግስታትን ሓቢሮም ነቲ "ፍጹማት ዘይኰኑ" ግን ከኣ ውድቀቶም ንሰባት "ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ተነቀፍቲ ገይሮምዎም" ኣለዉ ኢሎም ዝሓደገዎ ባዶነት ንምምላእ ምስ ክርስትያን ምእመናንን መንግስታትን ክዓዩ ከም እተጸውዑ ኣዘኻኸርዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ምዝዛም ቃለ ምዕዳኖም "ቤተ-ክርስትያን ንመሬትን ኣባይትን ስራሕን ፍትሓዊ ቓልስኩም ትድግፍ እያ" ክብሉ ውን መልእኽቶም ደምደሙ። ልክዕ ከምቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ፣ "እቲ መገድታት ካብ መሬት ናብ ላዕሊ ካብ ወሰን ናብ ማእከል ከም ዝጅምር እኣምን ኢየ" ክብሉ ውን ኣረጋገጹሎም
"ሎሚ እብል ኣለኹ ኣባይትን ስራሕን መሬትን ቅዱስ መሰላት እዮም፣ ምእንታኦም ምቅላስ ድማ ጠቓሚ እዩ፣ 'ኣብዚ ኣሎኹ' 'ምሳኻትኩም ኢና ዘለና' ክትብሉኒ ድማ ክትሰምዑኒ እምህጸነኩም" ክብሉ ተላበውዎም።
