ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት መለለዪን መርሕ ቃልን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር መለይታትን መርሕ ቃላትን ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 27 – 30 ሕዳር ኣብ ቱርኪ ከምኡ እውን ካብ ዕለት 30 ሕዳር - 2 ታሕሳስ ኣብ ሊባኖስ ከካይድዎ ናይ ዝኾነ ሓዋርያዊ ዑደት መለለዪታትን ምረሕ ቃላትን ዕለት 27 ጥቅምቲ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡
ኣብ ቱርኪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መለለዪን መርሕ ቃልን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጀመርያ ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ናብ ቱርኪ ክገሹ እዮም። ርእሰ ከተማ ኣንካራ ክበጽሑን ኢስታንቡል፤ ከምኡውን ከተማ ኢዝኒክ (ኣብቲ ጥንታዊት ኒቅያ ዝነበረት ቦታ) ዑደት ከካይዱ ከም ዝኾኑን፡ ናይዚ ኣብ ቱርኪ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ መለለዪ ብሓቂ ነዚ ኣገዳሲ ዝኽሪ ዘንጸባርቕ እዩ ምኽንያቱ ንርክብ ኤስያን ኤውሮጳን ንክርስቶስ ከም ድልድል ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብኣውነትን ዝውክል ንድልድል ዳርዳነለስ ዘጠቓልልን ኣብ ትሕቲ እቲ ድልድል ንማያት ጥምቀት ከምኡ’ውን ቀላይ ኢዝኒክ ዘለዓዕል ማዕበል ዝሓዘ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ብየማን ናይቲ ኣርማ መስቀል ኢዮቤል 2025ን፡ ኣብ ላዕለዋይ ጸጋማይ ሸነኽ ድማ ንቕድስቲ ስላሴ ዝውክሉ ሰለስተ ዝተተሓሓዙ ቀለቤታት ዝተነብሮ ምዃኑ የረጋግጽ።
እዚ መለለዪ እዚ “ሓደ ጎይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት” ዝብል ናይቲ ጒዕዞ መርሕ ቃል ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝተወስደ እውን እዩ (ፍቕዲ 4፡5)።
“እቲ ዓንኬል ምልክት ሓደነት እግዚኣብሔር፤ ድልድል፣ ንህዝብታት ዝጥርንፍ ሓደ እምነት፤ ከምኡ’ውን ማዕበል፣ ንደቂ እግዚኣብሔር ሓድሽ ህይወት ዝህብ ጥምቀት” ዝውክል ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ዜናን ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን “እዚ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ሕውነትን ዘተን ክንሃንጽ ዝዕድም” ምዃኑ የብርህ።
መለለዪን መርሕ ቃልን ናይ ሓዋርያዊ ዕደት ኣብ ሊባኖስ
ድሕሪ ቱርኪ ቅዱሰንቶም ናብ ሊባኖስ ክኸዱ እዮም፡ ኣብኡ ድማ ንርእሰ ከተማ ቤሩት ከምኡ’ውን ናብ ከተማታት ኣናያ፣ ሃሪሳ፣ ብከርከ ፣ ጃል ኤድ ዲብ ክበጽሑ ከም ዝኾኑን ናይዚ ሓዋርያዊ ዑደት መለለዪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብማነይቲ ኢዶም እናባራኹ ዘርኢ ብድሕሪኦም ድማ ምልክት ሰላም ምስሊ ርግቢት ከም ዘሎን ከምኡ’ውን ንሃብታም ታሪኽ እምነትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ሰላማዊ ሓባራዊ ስኒት ኣብ ሊባኖስ ዝውክል ኦም ቄድሮስን ዘርኢ እዩ። ኣብ የማን እቲ ምስሊ መለለዪ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. መስቀል ብመልክዕ መልህቕ ዝተነብሮ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ እምነት ክርስቶስ ዝተመስረተ ጽኑዕ ተስፋ ዘመልክት ምዃኑ ዜና ቫቲካን መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ጠቒሱ ብምምልካት፣ “ሕብርታት ረዚን ሰማያዊ፡ ልስሉስ ሮዛ፡ ቀጠልያን ፍኹስ ዝበለ ሰማያውን ቅሳነት ዝገልጽ ብጻዕዳ ሕብሪ ዝተዋሃሃደን ድማ ሃረርታ ሊባኖስ ንሰላም ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምሕባር፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዝተወስደ “ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም” ዝብል መርሕ ቃል ዘለዎ ኮይኑ እዚ መርሕ ቃል እዚ “ንህዝቢ ሊባኖስ ምጽንናዕን ኣብ መንጎ ኩሎም ማሕበረሰባት ዘተን ዕርቅን ስኒትን ንምትብባዕ” ዝዓለመ ምዃኑ ይሕብር።
