ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላ ዳ ሲልቫ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላ ዳ ሲልቫ ተራኺቦም  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላ ዳ ሲልቫ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ናይ ሃገረ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉዊስ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫን በዓልቲ ቤቱን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ብበዓልቲ ቤቱ ጃንጃ ሉላ ዳ ሲልቫ ምስ ዝተሰነየ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ዕለት 13 ጥቅምቲ ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመላኽት፣ ርእሰ ብሔር ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ኣብ ዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፡ ኣብቲ ብሕታዊ ርክብ ብዛዕባ ሃይማኖትን እምነትን ብራዚልን ኣብዚ እዋን እዚ ንዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታትን ዘተኮረ ምይይጥ ምክያዱ ገሊጹ። ከምኡ’ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ Dilexi Te - ኣነ ኣፍቀርኵከ  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን “እምነት ካብ ፍቕሪ ድኻታት ክንፈልዮ ኣይንኽእልን ኢና” ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም እውን ስለ መልእኽቶም ከም ዘነስገንዎም ይሕብሩ።

ርእሰ ብሔር ሉላ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ብራዚል ምብጻሕ ከካይዱ ይዕድሙ

ርእሰ ብሔር ሉላ ኣብቲ ዝተካየደ ክሌኣዊ ርክብ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣብ ብራዚል ዞባ ኣማዞን ከተማ በለም ኣብ ዝካየድ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ብዛዕባ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር - COP30 ክሳተፉ ከም ዝዓደሞምዎም ገሊጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ እውን እንተሓበርዎም ኣብቲ ዋዕላ ሃገረ ቫቲካን ከምትወከል ከም ዘረጋገጹሎም ሓቢሩ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብቲ ብውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) ኣብ ሮማ ኣብ ዝተዳለወ ዓለምለኻዊ መድርኽ መግቢ ንምስታፍ ኣብ ሮማ ከም ዝርከቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

14 Oct 2025, 18:03