ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ 'ሰላም ቅዱስ እዩ ውግእ ግን ኣይኰነን!'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ ሮማዊ ህንጻ ኮለስየም ምስ መራሕቲ ሃይማኖታት ዓለም ሓቢሮም ንሰላም ሓደ መደብ ጸሎት ኣካይዶም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ ምእመናን ክርስትያንን ኣይሁድን ሙስሊምን ቡድሂስትን ሂንዱን ካልኦት ተወከልቲ ሃይማኖታትን ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ዕርቅን ዘተን ሕውነትን ንኽህሉ ዘቕረበቶ ጻውዒት ደጊሞም ኣሐደስዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ብመሰረት እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ልምድታትና ሰላም ክሰፍን ጸሊና ኢና፣ ሕጂ ድማ መልእኽቲ ዕርቂ ንምእዋጅ ተኣኪብና ኣለና። ግጭታት ኣብ ኵሉ ኽፋላት ህይወት እኳ እንተ ሃለወ፣ ውግእ ግን ነዚ ንምፍታሕ ወይ መፍትሒ ንምርካብ ኣይሕግዝን እዩ። ሰላም ወትሩ ግዜ ናይ ዕርቂ ጉዕዞ እዩ" በሉ።
'ንሰላም እትጸምእ ዘላ' ዓለም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ፣ ኣብዛ ብውግእን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምምዝባላትን ዝዓነወት ዓለም፣ ህጹጽ ሓድነት ኣድላዪ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ "ንስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም፣ ሓይልኻ ምርኣይ ከምኡውን ንግዝኣተ ሕጊ ዘይምግዳስ" ኰኒኖም፣ "ሓቀይናን ጥዑይን መዋእል ዕርቂ" ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
"ውግእ ይኣኽለና" ክብሉ ድማ ኣበርቲዖም "እቲ ኵሉ እቲ ብሞትን ጥፍኣትን ምርኮን ዜምጽኦ ስቓይ ይኣኽለና! ሎሚ ኣብዚ ተኣኪብና ንሰላም ዘሎና ጽኑዕ ባህጊ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ጸሎት ንዕርቂ ሓያል ሓይሊ ምዃኑ እውን ንእመን ኣሎ" ክብሉ መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "እቶም ብዘይ ጸሎት ሃይማኖት ዚስዕቡ ሰባት፣ ክሳዕ ንህይወት ሰብ ኣብ ምቕታል እውን ከይተረፈ ብዘይግቡእ ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም" ብምባል ንሃይማኖት ብዘይግቡእ ካብ ምጥቃም ኣጠንቀቑ። ሓቀይና ጸሎት ክበሃል እንከሎ፣ "ንልቢ ዝኸፍት እዩ" ድሕሪ ቢሎም፣ "ንኣንፈት ታሪኽ ዝቕይር" ከምኡውን ንናይ ኣምልኾ ቦታታት ናብ "ድንኳናት ምርኻብን፡ መቕደስ ዕርቅን፡ ቦታ ሰላምን" ዚቕይሮ ከም ምዃኑ ገለጹ።
ብመንፈስ ኣሲዚ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብቲ ብ1986 ኣብ ኣሲሲ እተገብረ ታሪኻዊ ጉባኤ ሃይማኖታት ዳርጋ ኣርብዓ ዓመታት ምሕላፉ ኣብ ዝኽብሩሉ ዘለዉ እዋን "መንፈስ ኣሲሲ" ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝርርብን ዕርክነትን የለዓዕል ከም ዘሎ ዘኪሮም።
ንማሕበረሰብ ሳን ኤጊድዮ ከምኡውን ነተን "ነዚ መንፈስ እዚ ህያው ዝገብራን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣንጻር ማዕበል ዝኸዳ ብዙሓት ውድባት" ውን ኣመስጊኖም፣ ንዅለን ሃይማኖታት ከኣ "ነቲ ማእለያ ዘይብሉ መዝገብ ጥንታዊ መንፈሳውነት ንዘመናውያን ደቅሰብ ክቕበላኦ" ተማሕጺኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ዘካየድዎ መደብ ጸሎት ምስ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ዝኽሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣወጆ ሰነድ ብዛዕባ ርክባት ቤተ-ክርስትያን ምስ ክርስትያን ዘይኰና ሃይማኖታት ዝገልጽ ሰነድ ‘Nostra Aetate’ (ዘለናዮ ዘመን) ከም ዝሰማማዕ ውን ገሊጾም።
"ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብመንፈስ ኣሲዚ ዝግበር ጸሎት፣ ኣብ ድልዱል ሰረት እዚ ሰነድ እዚ እተመስረተ እዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን፣ "ኵላቶም ብመልክዕ ኣምላኽ እዮም ተፈጢሮም እሞ፣ ንዝዀነ ይኹን ህዝቢ ኸም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጌርና እንተ ደአ ዘይርኢናዮም፣ ናብቲ ኣቦ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ኽንጽሊ ኣይንኽእልን ኢና" በሉ።
ሰላም ጥራይ እዩ ቅዱስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ፓሪስ ኣብ እተገብረ ጉባኤ ማሕበረሰብ ሳን ኤጊድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘሎ ሓሳባት ብምዝካር፣ ነቲ እቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ተኸታትሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣንጻር መሳርሒ ሃይማኖት ደጊሞምዎ፣ "ውግእ እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እቶም ንኣምላኽ ብውግእ ከስምርዎ ዝፍትኑ ሰባት ድማ ወይለኦም!” ብምባል ኣጠንቀቑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣነውን ናተይ ክገብረን እደሊ እየ" በሉ። "ውግእ ከቶ ቅዱስ ኣይኰነን፣ ኣምላኽ ስለ ዝፈቐዶ ሰላም ግና ወትሩ ቅዱስ እዩ” በሉ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ንፖለቲካውያን መራሕቲ ንሰላም ዘለዎም ሓላፍነት ኪስከሙ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ፖለቲካዊ ሓላፍነታት ዝስከሙ ሰባት ዓብዪ ግዴታ" ኢዩ ዝለዎም ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
"ሰላም ኣብ ኵሉ ፖለቲካ ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ሰላም ዘይደለዩ ወይ ውጥርን ግጭታትን ዘለዓዓሉ ሰባት ጸብጻብ ክሓትት እዩ ። ንሱ ድማ ብዂሉ መዓልትታትን ኣዋርሕን ዓመታትን ውግእ ክሓተቶም እዩ።”
ሰላም ንምፍጣር ድፍረት ምህላው
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ "ምስክር ሰላም" ክብሉ ዝጸውዕዎ ክቡር ጆርጅዮ ላ ፒራ እተዛረቦ ቓላት ብምጥቃስ ንደቂ ሰብ "መዋእል ዘተን፣ መዋል ውግእ ዘይብላ ዘይብላ ሓዳስ ዓለም" ንዘቕረቦ ሓሳባት ክቕበልዎ ተማሕጸኑ።
ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታት ዝመጹ ኣመንቲ ብዝርርብን ብምትሕብባርን ሓባራዊ ሓላፍነትን ነቲ "ዓውለማውነትን ሓይሊ ዘይምህላውን" ክብሉ ዝጠቐስዎ ኩነት ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ኣተባብዕዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኮለስየም ብስቕታ ድምሕሪ ምጽላይ "ዓለም ነዚ ልመና እዚ ጸማም እኳ እንተ ዀነት፣ ኣምላኽ ንጸሎትናን ንኣውያት ብዙሓት እቶም ዝሳቐዪ ዘለዉ ሰባትን ከም ዝሰምዖ ርግጸኛታት ኢና በሉ። ኣምላኽ ውግእ ዘይብላ ዓለም ኪህሉ እዩ ዚደሊ። ካብዚ ኽፉእ እዚ ሓራ ኼውጽኣና ድማ እዩ" በሉ።
