ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ነቲ ጭቡጥ ዝኾነ ናይ ትራምፕ ናይ ሰላም ትልሚ ሓማስ ክቕበሎ ተስፋ እገብር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጸ ኣፈት ዝጽበይዎም ካብ ዝነበሩ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽ ከም ዝሃቡን፣ ቅዱስነቶም ብዛዕባ’ቲ ብርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትራምፕ ንቓዛ ዝምልከት ዘቕረቦ ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ በንጃሚን ነታንያሁ ዝደገፎ 20 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምሉስ፣ “እቲ ናይ ሰላም ውጥን ጭቡጥ እማም ይመስል፡ ተቐባልነት ክረክብ ድማ ተስፋ እገብር - ቢሎም - ኣገዳስነት ምቁራጽ ተኹስን ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙን ዝብሉ “ኣዝዮም ኣገደስቲ ባእታታት ዝሓዘ እዩ፣ ሓማስ ክቕበሎ ተስፋ ንገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንሰባት ምኽባር
ብዛዕባ እተን ናብ ቓዛ ቐሪበን ዘለዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነቐላ መራኽብ ብዝምልከት ዝርአ ዘሎ ምስሕሓብ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ ዘለዎም ርእይቶ ምስ ተሓተቱ፣ "ኣብዚ ተበግሶ እዚ ንሓቀይና ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ምላሽ ናይ ምሃብ ድሌት ይርአ። ዓመጽ ከይህሉን ሰባት ክኽበሩን" ድማ ተስፋኦም ምዃኑ ይገልጹ፣
ንሰላም ምስራሕ
ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ንኣጠቓቕማ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ድልዉኣት ኢና እንክብሉ ወተሃደራዊ መራሕቲ ሃገሮም ዝጸወዓ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ዝበልዎ ጉዳይ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ “እዚ ዓይነት ኣዘራርባ ዘተሓሳስብ እዩ፣ ምኽንያቱ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዘንጸባርቕ እዩ። ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቲ ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ዝብል ዝነበረ ናብ ዋና ጸሓፍ ውግእ ናብ ዝብል ስያመ ክቕየር ዝወስድዎ ውሳነ፣ “ተስፋ እገብር ቃል ጥራይ ክኸውን” እንክብሉ መልሲ ምስ ሃቡ፣ እቲ “ሓይሊ ተጠቒሙ ጸቕጢ ዝገብር” ቅዲ መንግስቲ ዘርኢ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ወሲኾም ድማ “ውግእ ከይህሉን ንሰላም ክንሰርሕን ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ፍርዲ ቫቲካን ዝኾነ ኣታውነት የለን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቫቲካን ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ቅድስቲ መንበር ብፍሉይ ዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ፍርዲ ዘለዎም ሓሳብ ምስ ተሓተቱ፣ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ርእይቶ ከይሃቡም “እቲ ዝካየድ ዘሎ ክሂሎም ክቕጽል ኣለዎ፣ ኣታውነት ክገብሩ ሓሳብ እውን ከም ዘይብሎም ገሊጾም እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ንደያኑን ጠበቓታትን ዝግደፍ ይኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ሕጋዊ ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ኣባል ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባል ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ዲክ ደርቢን ብካርዲናል ብሌዝ ኩፒች ሊቀ ጳጳስ ቺካጎ ሽልማት ክወህቡ ዝብል ጉዳይ ዘለዎም ርእይቶ ምስ ተሓተቱ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ “ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ኣይፈልጦ የብለይን - ምስ በሉ - ሓደ ኣባል ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ን40 ዓመት ኣብ ዘገልግለሉ ዘሎ እንተዘይተጋግየ፡ ዝሰረሖ ሓፈሻዊ ስራሕ ምርኣይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ፡ እቲ ዝተለዓዓለ ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን ርዱእ እዩ፣. . . ምስ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም ። ንሞት ፍርዲ እናደገፍካ ምስቲ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝግበር ምስ ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እናተሰማማዕካ፣ “ኣነ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ እየ” ምባል ብሓቂ ንህይወት ዝድግፍ ኣይኮነን” ከም ዝበሉን ኣስዒቦም፣ "እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ኣዚዮም ዝተሓላለኹ እያቶም። ምሉእ ሓቂ ዘለዎ ሰብ እንተሃልዩ ኣይፈልጥን፣ እንተኾነ ግን ብመጀመርታ ዝያዳ ሓድሕዳዊ ምክብባር ክህሉ ምሓተትኩ፣ እዚ ድማ ብሓባር - ከም ደቂ ሰባት፣ ኣብቲ ጉዳይ ከም ዜጋታት ኣሜሪካውያን ከምኡ'ውን ካቶሊካውያን - 'ነዞም ኩሎም ስነ - ምግባራዊ ጉዳያት ብቐረባ ክንርእዮን ከም ቤተክርስትያን ንቕድሚት ዘኺደና መንገዲ ክንረክብን ኣለና።' ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቶም ዝተለዓሉ ጉዳያት ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ኣዝዩ ንጹር እዩ” እንክብሉ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
