ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ኣረጋውያን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ህርኩት ተልእኾ ወንጌል በረኸት እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንዓለማውያን፡ ስድራቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካብ ዕለት 2 - 4 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ጉስነት ኣረጋውያን ከም ዘአንገደን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 3 ጥቅምቲ ምስቶም ኣብቲ ኣብቲ “ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ . . . እዮም” (ዮኤል ምዕዕ. 2. 28) ብዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ተመሪሖ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ጒስነት ኣረጋዋይን ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ እቶም ሰብ ጸጋ ዕድመን ብዙሕ ተመኩሮ ዘለዎም ነቶም ገና "ሓድሽ ኣንፈት ህይወት" ዝጀመሩ መንሰያት ክሕግዙን፡ ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ምትሕብባር ንምዕባይ ዘለዎም ድሌት ድማ ኣዘኻኺሮም። ይኹን እምበር ኣብዚ ግዜና ኣብ መንጎ ወለዶታት ዓሚቝ ምክፍፋል እዩ ዘሎ፣ ከመይሲ ኣረጋውያን ንመንእሰያት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ቦታ ብዘይምሃብ ወይ ከኣ ንመንእሰያት ብዙሕ ቍጠባውን ማሕበራውን ሃብቲ ከም ዘህልኹ ተገይሮም ይኽሰሱ” ቢሎም፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንነዊሕ ዓመታት ዕድመ ኸም "ጕድለት" ገይሩ እዩ ዚርእዮ ዘመናዊ ሕክምና ድማ ንብዙሓት ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነዊሕ ዕድመ ንኽጸንሑ ዘኽእሎም ኮይኑ ከም ዘሎ እውን ገሊጾም፣ "ኣረጋውያን ትቕባል ዘድልዮ ውህበትን በረኸትን ኢዮም፣ ነዊሕ ዕድመ ኸኣ ኣወንታዊ ነገር ኢዩ . . . ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣብ ግዜና ሓደ ኻብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ምልክት ተስፋ እያቶም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሕብረተሰብ ንኣረጋውያን ምንጻግ "ደቂ ሰባት ኩሉ ግዜ ብድሌታቶም ድሩታት እዮም" ዝብል ሓቂ ምቕባል ካብ ዘይምህላው ዝምንጩ ምዃኑ ገሊጾም። "እቲ ኣብ ኣረጋውያን ዚርአ ተኣፋፍነት ነዚ ሓባራዊ ሓቂ እዩ ዘዘኻኽረና። ስለዚ ምስሊ እቲ ዘይተርፍ እሞ ዝኸውን ነገር ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ምእንቲ ከይረአ በቶም ዓለማዊ ሕልሚ ዜማዕብሉ ሰባት ይሕባእ ወይ ይውገድ። "መለክዒ ሰብኣውነትና በቲ ኽንዓምሞ እንኽእል ዘይኰነስ ንገዛእ ርእስና ክንፍቀርን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ክንሕግዝን ብምኽኣልና እዩ ዚወሃብ፣ እርጋን ከይተዳለና ከርክበና ዝኽእል ናይ ሕይወት ደረጃ እዩ - ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ንተስፋ ምቑራጽ ኢድና ከይሃብና ከመይ ጌርና ብክርስትያናዊ መንገዲ ክንነብር ከም ዘለና ካብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ቅዱሳንን ክንመሃር ዓዲሞም፣
ቀጺሎም ናብቶም ንኣረጋውያን ዘገልግሉ ሰባት ብምቕናዕ ኣብቶም “ሓደስቲ - ጡረታ ዝወጹ ኣረጋውያን” ኣገዳሲ ምሕዝነት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ድማ ኣስተብሂሎም፣ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ስራሕ ዓመታቶም ዝወድኡን ዝያዳ ናጻ ግዜ ዘለዎምን ንጥፈታት ሰበኻታት ክመርሑን ክጽልዩን ከም ዝኽእሉ እውን ብምዝኽኻር፣ “ከም ተቐበልቲ ስብከተ ወንጌል ዘይኰነስ ከም ንጡፋት ኣካልን፡ ንዓኣቶም ዝምጥን ቋንቋን ዕድላትን ምርካብን፡ ሕይወትን ወንጌልን ንዘቕርበልና ሕቶታት ኣብ ክንድኦም ዘይኮነስ ምስኦም ሓቢርካ ምላሽ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ኣረጋውያን፡ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ካብ እምነት ርሒቖም ወይ ብስራት ወንጌል ተቐቢሎም ዘይፈልጡ፡ ምስናይ እዚ ግን ቤተ ክርስቲያን ዕድሚኦም ብዘየገድስ ብክርስቶስ ድሕነት ከተቕርበሎም ዕማም ኣለዋ።
“ኣረጋውያን በይኖም ኣብ ዝድርበዩሉን ዝሕደግሉን፡ እዚ ማለት ብስራት ለውሃት እግዚኣብሄር ምምጻእ ማለት እዩ፡ ምስኣታቶም ሓቢርካ ነቲ ጽልማት ጽምዋ፡ ነቲ ዓቢ ጸላኢ ህይወት ኣረጋውያን ንምስዓር ማለት እዩ - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣገልገልቲ ጉስነት ቤተ ክርስቲያን፣ ነቶም ኣረጋውያን ትርጉም ህላወ ዳግማይ ንኽረኽቡ ክሕግዝዎም፣ ምእንቲ ምስ እግዚኣብሔር ሓቀይና ዝምድና ክረኽቡን ባዕሎም ናይ ተስፋ ልኡካን ክኾኑን ክሕግዝዎም ድማ ተላብዮም፣ “ዝጥንጠን ሓደ እኳ ኣይሃሉ! ዋላ ሓደ ሰብ ዘይጠቅም ኰይኑ ኺስምዖ የብሉን! ኣብ ቤትና ብእምነት እትንበብ ተራ ጸሎት እውን እንተ ዀነት ንሰናይ ህዝቢ ኣምላኽ ኣበርክቶ ይገብር። ኣብ መንፈሳዊ ሕብረት ድማ ሓድነት ክህልወና ይገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
