ር.ሊ.ጳ. ነፍሲ ወከፍ ቍምስና፡ 'ኣብ ሰንበት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ክሳተፍ የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካዊ ሰበኻ ዕለት 19 ጥቅምቲ ተዘኪሩ ኣብ ዝውዕል ሰንበት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ክሳተፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝእከብ ምጽዋት ከምቲ ኣብ ፔሩ ኣብ ዘገልግሉሉ እዋን ብዓይኖም ዝረኣይዎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልኡካነ ወንጌል ዘቕርብዎ ሰናይ ኣገልግሎት ብጭቡጥ ንኸሳልጡ ከም ዘኽእሎምን ተልእኾኦም ዘቐጽልን ምዃኑ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፣ "ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ካቶሊካዊ ሰበኻ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ ክሳተፍ እላቦ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዓለም ሓቆፍ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ ዓመት ዓመት ካብ ካልኣይ ክሳብ መወዳእታ ሰንበት ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ኮይኑ፣ ሎሚ ዓመት ድማ “ኣብ መንጎ ህዝብታት ልኡኻት ተስፋ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዕለት 19 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ። ቅዱስነቶም እቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ በብዓመቱ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ፡ ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ተጠርኒፋ፡ ብፍላይ ንልኡካነ ወንጌል ፍረ ሓዋርያዊ ጻዕሮም ከም እትጽሊ ብምዝኽኻር ኣበጊሶም፣ ኣብ ፔሩ ከም ካህን ልኡካነ ወንጌልን ደሓር ድማ ከም ጳጳስን ኮይነ ኣብ ዝገልገለሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ ዝተራእየ እምነትን ጸሎትን ልግስን ንመላእ ማሕበረሰባት ከመይ ጌሩ ክቕይር ከም ዝኽእል ብዓይነይ ዝራኣኽዎ እዩ" እንክብሉ ከም ዝረጋገጹ ኣፍሊጡ።

ንዅለን ሰበኻታት ካቶሊክ ገለ ጭቡጥ ናይ ገዛ ዕዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ “ጸሎትኩም፣ ደገፍኩም ወንጌል ንምስፋሕ ክሕግዝ፣ ናይ ጉስነትን ትምህርተ ክርስቶስ መደባትን ከሳለጥ፣ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ንምህናጽ ክሕግዝ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ግዝኣታት ተልእኾ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጥዕናውን ትምህርታውን ድሌታት ንምሕላው ክሕግዝ እዩ”

ምስ በሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካዊ ሰበኻ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ ክሳተፍ እላቦ" እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

"ዕለት 19 ጥቅምቲ ብዛዕባ እቲ 'ኣብ መንጎ ኣህዛብ ልኡካን ተስፋ' ንምዃን ዝተቐበልናዮ ናይ ጥምቀት ጻውዕታና ብሓባር ከነስተንትን እንኮሎና፣ ነቲ ተስፋና ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ወሰን ምድሪ ንምብጻሕ ባህ ንዘብልን ዘሐጉስን ዕዮ ዳግማይ ንውፈይ" እንክብሉ እስተብሂሎም፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ቁምስናታት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ልኡካነ ወንጌል ንምሕጋዝን ስለ ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለዉን ኣመስጊኖም ሃዋርያዊ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Oct 2025, 18:09