2025.10.09 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት 2025.10.09 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኵለንታዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 9 ጥቅምቲ ዑደት ብምክያድ፣ ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዝተነብረ “ገረብ ሰብኣዊ ክብሪ" ዘርእስቱ ሓወልቲ ባሪኾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብወግዒ ንንባብ ኣብ ዝበቕዓሉ ዕለት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ኵለንተናዊ ውሁድ ሰባኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዑደት ብምክያድ ምስ ኣባላት እቲ ቤት ጽሕፈትን ሰራሕተይናታትን ተራኺቦም እቲ እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ንምድንፋዕ ዘካይዶ ዕዮ ኣመስጊኖም ኣብ ተልእኾኡ ድማ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሓለፍትን ሰራሕተይናታት እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዘቅረቡሎም ሓያሎ ሕቶታት መልሲ ከም ዝሃቡን ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ስራሕተይናታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሓደ ብሓደ ሰላምታ ኣቕሪቦም ነቲ ካብ ውህደት ኣርባዕተ ጳጳሳዊ ጉባኤታት ዝተነቓቐሐ“ገረብ ሰብኣዊ ክብሪ” ዘርእስቱ ሓወልቲ ከም ዝባረኹን፣ ሎሚ ኣነ ኣፍቀርኵከ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብወግዒ ንንባብ ኣብ ዝበቓዓሉ መዓልቲ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ምብጻሕ ከካይድ ስለ እቲ ሓቀይና መግለጺ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎትኩም አመስግን - ቢሎም - ኣብቲ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ክብሪ መዝገብ ከም ዝኸተሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕቶን ሰላምታን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቫን ቱዋን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት “ቀሊልን ዓሚቝን” ካብ ኣባላት ሰራሕተይናታት እቲ ቤት ጽሕፈት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ከም ዝሃቡን፣ ኣገልግሎት እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ‘ኣነ ኣፍቀርኩከ’ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተመልኪቱ ዘሎ ጸዋዕታን ኣገልግሎትን መግለጺ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ኣብ ብዙሕ መዳያት ዓለም እንኮላይ ኣብ ስደት ቍጠባ ስነ ምህዳር ጥዕና ትምህርትን ድሕንነትን ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ዝፍጽም ቤት ጽሕፈት ስራሕተይናታት "ስለቲ ዕዮኹምን ተወፋይነትኩምን አመስግነኩም" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ምስ ኩሎም ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተይናታት ዘካየድዎ ርክብ ምስ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቸርኒን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ፣ ከምኡውን ምስ ክልተ ናይቲ ቤት ሕፈት ምክትል ጸሓፊ ካርዲናል ፋቢዮ ባጆን የኔታ አንቶኒ ኤክፖን ብሕታዊ ኣኼባ ከም ዘካየዱ የመላኽት።

ሓወልቲ ‘ገረብ ክብሪ ሰብ”

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ህሞታት ናይቲ ዑደት ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተተኸለ “ገረብ ሰብኣዊ ክብሪ” ዘርእስቱ ሓወልቲ ምብራኽ ዝምልከት ኮይኑ እቲ ቅዱስነቶም ዝባረኽዎ ሓወልቲ፡ ኣብ መንጎ ሕሉፍን ህሉውን ቀጻልነት ዘመልክት - ሱር ናይቲ ውሁድ ልብን ፍትሕን ሰላምን ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ጉዳይ ዝተታተሉ ዝነበሩ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽሪ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ.ም. ዘቖምዎ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘመልክት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካብቶም ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ናይቲ ቤ ጽሕፈት፣ ሰብኣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምዕባይ ዝዓለመ ተልእኾ ዝምልከት ኮይኑ፣ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ብፍላይ ንድኹማት፣ ንዝተገለሉን ዝተሓረጉን ኣቓልቦ ዝህብ ከም ዝኾነን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት
10 Oct 2025, 17:37