ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንመንእሰያት፦ ኪኖ ናይ ምሾት ዞባታትኩም ኣብሉን ሃነጽቲ ሰላም ኵኑን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንመንእሰያት፦ ኪኖ ናይ ምሾት ዞባታትኩም ኣብሉን ሃነጽቲ ሰላም ኵኑን  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንመንእሰያት፦ ኪኖ ናይ ምሾት ዞባታትኩም ኣብሉን ሃነጽቲ ሰላም ኵኑን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 40 ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንመንእሰያት ከም ክርስትያን ኣብ ጎኒ እቶም ዝሳቐዩ ደው ክብሉን ንጡፋት ስነ ጥበባውያን ሰላም ክኾኑን ሓላፍነት ከም ዘለዎም የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 40 ዓለማዊ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መንእሰያት “ ነቶም ናይ እምነት ቃላት ተጠቒሞም ክገማምዑ ዘይኮነስ” እንታይ ደኣ “ንጡፋት ናይ ሰላም ስነ -ጥበባውያን ክኾኑ” ንዕርቂ ክሰርሑ ከም ዘተባብዑን ዓመታዊ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ብደረጃ ሃገረ ስብከት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝኽበር ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ 2027 ኣብ ሴኡል ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ንምድላው ኣሚቱ ዕለት 23 ሕዳር ከም ዝካየድን፣ ቅዱስ ኣቦና “ንስኻትኩም እውን ምሳይ ስለ ዝነበርኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘማእከለ መልእኽቶም ከም ነጋድያን ተስፋን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ተባዓት መሰኻኽር ክርስቶስ ክንከውን ንዳሎ ብምባል፡ ኣብ ክልተ መዳያት ምስክርነት ኣተኲሮም፡ “ምስ ኢየሱስ ዘሎና ዕርክነት፡ ካብ እግዚኣብሔር ከም ውህበት እንቕበሎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሕብረተሰብ ሃነጽቲ ሰላም ክንከውን ከም ዘሎና” ዝሓትት ምዃኑ የስተብህሉ።

የዕሩኽ እምበር መሰኻኽር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርስትያናዊ ምስክርነት ምስቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለን ንድሕነት ኩሉ ዝተንስአን ጎይታ ካብ ምሕዝነት ከም ዝፍጠር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ “እዚ ምስክር እዚ ምስ ስነ - ህልዩኣዊ ቤለው ክደናገር የብሉን፣ ምኽንያቱ ሓቀይና መትከል ውሽጣዊ ለውጥን ማሕበራዊ ንቕሓትን እዩ።”

ኢየሱስ ኣስዒቡ መን ምዃንናን ልብናን ኣብ ቅድሚ ኣድልዎን በደልን ዘለና ቁጥዐን ምሉእ ብምሉእ ይፈልጥ እዩ። “ኣገልገልቲ ክንከውን ኣይደልየናን፣ ‘ንጡፋት’ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ክንከውን ኣይደልን፤ ከም ኣዕሩኽ ምስኡ ክንከውን ይጽውዓና፣ ህይወትና ምእንቲ ክሕደስ።”

ማእከል መድርኽ ክሕዙ፡ ከምኡ’ውን ንሰዓብቶም ጽግዕተይናታቶም ዝገብሩ ክኾኑ ከምዘይደልየና ዘዘኻኽር እዩ . . .  ሓቀይና መሰኻኽር ልዕሊ ኩሉ ካብ ገዛእ ርእሶም ማለት ካብ ማእከል ኣቓልቦ ምዃን ካብ ምስሉይ ትሕትናን ካብ ውሽጦም ሓራ ዝወጹን እዮም ። ስለዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ሓያላት ዝኾኑ ሰባት እውን እንተኾነ ንኹሉ ሰብ ክሰምዑን ክርድኡን ከምኡ’ውን ሓቂ ክዛረቡን ናጻ እዮም፣”

“ሓቀይና ክርስቲያን መሰኻኽር ትሑታትን ሓራን እያቶም”

በዚ ኸኣ፡ ሓቀይና ክርስትያናዊ ምስክርነት ንኢየሱስ ምስ ተራእየ፡ ንሱ ጥራይ ዘድሕነና ምዃኑ፡ ዘለልይ ኣዩ!  ምስ በሉ፣ ቅዱስነቶም "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ገዛእ ርእስናን ካብ ናይ ምሾት ዞባናና ሓሊፍና ንድኻታትን ነቶም ካብ መንግስቲ ኣምላኽ እተገለሉ ኰይኑ ዝስምዖምን እንተ ዘይኴንና ምስ ክርስቶስ ክንራኸብን ንኣእኡ ክንምስክርን ከም ዘይንኽእል ብተደጋጋሚ ኣትሪሮም ተዛሪቦም እዮም" እንክብሉ የዘኻኽሩ።

መሰኻኽር እምበኣር ልኡካን

ቅዱስ ኣቦና ብድሕሪ’ዚ ንመንእሰያት ብዙሓት መዛኑኦም “ንዓመጽ ዝተቓልዑ፣ ኣጽዋር ክጥቀሙ ዝተገደዱ፣ ካብ ዝፈትውዎም ሰባት ተፈልዮም፣ ክስደዱ ወይ ክመዛበሉ ዝተገዱ ንዃኖም ፈጺሞም ከይርስዑ ኣዘኻኺሮም። ብዙሓት ትምህርትን ካልእ ኣገዳሲ ንብረትን የብሎምን።”

"ብዙሓት መንእሰያት ንዓመጽ ይቃልዑ፡ ኣጽዋር ክጥቀሙ ይግደዱ፡ ካብ ዝፈትውዎም ሰባት ተፈልዮም፡ ክስደዱ ወይ ክሃድሙ ይግደዱ። ብዙሓት ትምህርትን ካልእ ኣገደስታትን ይጎድሎም"

ኩሎም ግን “ትርጉም ምድላይን ምስኡ ዝኸይድ ዘይውሕስነትን፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራውን ስራሕን ጸቕጥታት ዘስዕቦ ዘይምሾት፡ ምስ ቅልውላው ስድራቤት ንምግጣም ዘጋጥም ጸገም፡ ዕድላት ዘይምህላው ዝስምዖም መሪር ስምዒት፡ ከምኡ’ውን ብዝገበርዎ ጌጋታት ዝስምዖም ጣዕሳ የካፍሉኹም . . . “ኣብ ጎኒ ካልኦት መንእሰያት ደው ኢልካ ምስኦም ክትመላለስን ኣምላኽ ብኢየሱስ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዝቐረበ ከተርእን ትኽእል ኢኻ” እንክብሉ የረጋግጹ።

ከምኡውን ንመንእሰያት ክርስትያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ኣዕሩኽን መሰኻኽርን ኢየሱስ ምድላይ ክየቋርጹ ዓደሞም፣ ንሳቶም ድማ ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ህያው ርክብ ከመይ ጌሮም ሓቀይና ትርጉም ህይወት ከም ዝረኸቡ ዘርእዩና እያቶም - ቢሎም - "ብሓቂ፡ ዓሚቝ ሕቶታትና ኣብ ናይ ኢድ ተለፎናትና መወዳእታ ዘይብሉ ግንጸላ ብምግባር ኣይስማዕን ወይ ኣይምለስን፡ እዚ ድማ ኣቓልቦና ዝማርኽ ኣብ ድኻም ኣእምሮን ባዶነት ልብን ኣዩ ዝጥንጥነና፡ ምምላእ ሓቀይና ድሌታትና ኩሉ ግዜ ኪኖ ገዛእ ርእስና ብምኻድ እዩ ዝመጽእ" እንክብሉ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕውነት ከም ሓባራዊ ሰላም

መንእሰያት ንዘይምግዳስን መንፈሳዊ ትህኪት ሰጊሮም ናይ ምሕዝነትን ሕውነትን ምትእስሳር ንምሕብሓብ ጻዕርታት ክገብሩን ንኹሉ ሓድሽ ኩነታት መነባብሮ ንምህናጽ ብሓባር ክሰርሑን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም ኣተሓሳሲቦም፣ "ነቶም ቃል እምነት ተጠቒሞም ክመቓቐሉ ዝደልዩ ኣይትስዓብዎም፤ የግዳስ ዘይምዕሩይነት ንምእላይን ዝተበታተኑን ውጹዓትን ማሕበረሰባት ንምትዕራቕ መደባት ሓንጽጹ . . . ክቡራት መንእሰያት ክቡራት ኣዕሩኽ፣ “ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድምጺ እግዚኣብሔር ንሰምዕን ንጡፋት ኢደ ጥበበይናታት ሰላም ንኹን ንርእሰ ፍትወት ንሰግር” ብምባል ደምዲሞም።

“እቲ ውህበት ናይቲ ዝተንሰኤ ጎይታ ዝኾነ ሰላም፡ ብሓባራዊ ምስክርነት ናይቶም ንመንፈሱ ኣብ ልቦም ተሰኪሞም ኣብ ዓለም ክረአ እዩ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Oct 2025, 17:23