ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ፣ 'ምትሕብባር ኣብ መንጎ ሃይማኖታት'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምእመናን “ምእንቲ ምትሕባር ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ” ክጽልዩ ዓዲሞም፣ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ “ምእንቲ ምትሕብባር ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖትት፥ ክኸውን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ "ምትሕብባር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት” ክኸውን ከም ዘተሓሳሰቡን እዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብመገዲ ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት ከም እተዘርገሐ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ብፍላይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንሰላምን ፍትሕን ሰብኣዊ ሕውነትን ንምክልኻልን ንምድንፋዕን ብሓባር ምእንቲ ክሰርሓ ምእመናን ክጽልዩ ብምዕዳም ነቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣበጊሶም፣ “ጐይታይ ኢየሱስ ንስኻ ኣብ ፍልልያት ሓደ ዝኾንካ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ብፍቕሪ ጠምት፣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ክንነብርን ክንጽልን ክንዓዪን ክንሓልምን ዝተጸዋዕና ንሓድሕድና ክንፋለጥ ሓግዘና ፣ ዋላ'ኳ "ዓለም ብጽባቔ ዝተመልአት እኳ እንተ ዀነት ብዓሚቝ ምክፍፋል እውን ዝቖሰለት" እያ፣ "ሓድሓደ ግዜ" "ሃይማኖታት ሓድነት ኣብ ክንዲ ዘተሓብራ ጠንቂ ግጭት ይዀና . . . በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ነቲ ሓድነት ዜሕድረልና ምእንቲ ኸነለልዮን ካብኡ ብዘይ ምዕናው ከም ብሓድሽ ክንሰምዕን ክንተሓባበርን ምእንቲ ኽንመሃር ልብና ኼንጽህ መንፈስካ ኣሕድረልና" እንክብሉ ይጽልዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃይማኖታት ጭቡጥ ኣብነታት ሰላምን ፍትሕን ሕውነትን ካብ ፍልልያትና ወጻኢ ብሓባር ክንነብርን ክንዓዪን ከም እንኽእል ንኽንኣምን ከተባብዓና ጸልዮም፣ "ሃይማኖታት ከም ድልድልን ትንቢትን ደኣ እምበር ከም ኣጽዋር ወይ መንደቕ ብዘይምጥቃም ንሕልሚ ሓባራዊ ረብሓ ዘተኣማምን ምልክት ክኾናን ንሕይወት ዘሰንያን ንተስፋ ዘጽንዓን ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ከኣ ማይ ብሑቝ ሓድነት ይኹና፣ "ኣሜን!” እንክብሉ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Oct 2025, 17:21