ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ብሓባር ምጉዓዝ ቅዲ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያንን እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር አቫቲካን
እተን መዓልታት መጽናዕቲ "ብሓባር ምጉዓዝ ኣገባብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዝተሓደሰ ርድኢት" ዘዕብይ ክኸውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ካብ ዕለት 6 ክሳብ 9 ጥቅምቲ ኣብ ገዳም ካማልዶሊ "እንታይ ዓይነት ጳጳስ ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን? " ብዝብል ኣርእስት ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ቲዮሎጊያዊ ጉባኤ ከም ዘተባብዑን፣ እዘን ኣርባዕተ መዓልቲ ብፍላይ ኣብ ሲኖዶሳዊ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ተከለ ሰብነትን ኣገልግሎትን ጳጳስ ንምጽናዕ ዝዓለመ፣ ነቲ ኤጲስቆጶስ ኣገልግሎት ብሲኖዳዊ ኣረኣእያ ዳግመ ግምት ከይተገበረሉ ከመይ ገይሩ ናይ ሲኖዳዊ ቅርጽን ተክለ ሰብነትን ቤተ - ክርስትያን ምምዕባል ከም ዘይከኣል ንምግላጽ ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ንጠቕላሊ ኣበምንየት ገዳም ካማልዶላዊ ስርዓት ቅዱስ በነዲክቶስ ኣባ ማቴዮ ፌራሪ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - ቅዱስነቶም ኣብቲ "ኣገዳሲ" ጉባኤ "መንፈሳዊ" ህላወኦም ኣረጋጊጾም፣ "ቲዮሎጊያውን ዓቕለሲያውን ዕምቆት" ዘለዎ ተበግሶ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣድናቖቶም ከም ዝገለጹን እዘን መዓልታት እዚኣተን "ሓቀይና ሲኖዳውነት ብባህርያቱ፡ ብመሰረት ጸዋዕታ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ናይ ኩሎም ዝተጠመቑ ምስማዕን ተሳትፎን ዝሓትት'ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ክርስቶስ ነቲ ብተካኢ ጴጥሮስ ዝምራሕ ጉባኤ ጳጳሳት ዝሃቦ ስልጣን ዕሽሽ ክብሎ ኣይክእልን ኢዩ" እንክብሉ ብምዝኽኻር፡ እዘን መዓልታት እዚኣተን "ብሓባር ምጉዓዝ" ዝብል ዝተሓደሰ ንቕሓት ከዕብያ ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ
