ንጉሥ ቻርለስ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ኣብ እተገብረ ኢቍመናዊ መደብ ጸሎት ተኻፊሉ

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ካሚላን ዓዲ እንግሊዝ፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ኣብ ናይ ፍርቂ መዓልቲ መደብ ጸሎት ተሳቲፎም፣ እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ክፋል ናይቲ ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝገበርዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ኢዩ ዝንበረ፣ በዚ ከምዚ ድማ ኣብ ርክባት ኣንግሊካውያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ታሪኻዊ ህሞት እዩ ዝተኻየደ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ካሚላን ትማሊ ንግሆ ኣብ ሃዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዶም ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ተረኺቦም ኣብ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ብሕብረት ተሳቲፎም። ምስኣቶም ድማ ኣንግሊካዊ ሊቀ ጳጳስ ስቲቨን ኮትረል መበል 98 ሊቀ ጳጳሳት ዮርክን፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ካልኣይ ዝለዓለ ሥልጣን ዘለዎ ሊቀ ጳጳስ ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝን ተረኺቦም ነበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ልዮን መበል 14ን እዞም ሊቀ ጳጳሳት ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያንን ብመዛሙራት ዳዊት እተሰነየ ንባብ ወንጌልን ዘጠቓልል ናይ ፍርቂ መዓልቲ መደብ ጸሎት መሪሖም። እቲ ብቅብኣ ስዕልታት ሚካኤልአንጀርሎ ዝወገበ ቤት ጸሎት ድማ ብብዙሓት ኢቁመናውያን ኣጋይሽ መሊኡ ነበረ፣ ገለ ኻብዚኣቶም ድማ ኣንግሊካዊ ሊቀ ጳጳሳት ዌስትሚኒስተርን፣ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ ከምኡውን ሊቀ ጳጳሳት ሰይንት ኣንድሩስን ኤድንበርግን ሊዮ ኩሽሊ ንኤጲስቆጶሳዊት ቤተክርስቲያን ስኮትላንድ ወኪሉ ኣባኡ ተረኽቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መድብ ጸሎት ምስ ንጉስ ቻርለስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መድብ ጸሎት ምስ ንጉስ ቻርለስ   (@Vatican Media)

ታሪኻዊ ምብጻሕ

እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ርክባት ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ታሪኻዊ ህሞት እዩ ዝነበረ፣ እዚ ኸኣ ን500 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝንበረ። ክልተ ኣርእስትታት ነቲ ጕዕዞ ዜመልክት ዝንበረ ድማ፦ ክርስትያናዊ ሓድነትን ኣከባብያዊ ሓልዮትን ዝብል ቅውም ሓሳት ኢዩ ዝንበረ።

እቲ ምብጻሕ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተ ዝነበረ ብምኽንያት ሕማም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ተሰረዘ። ሓደ ኻብቲ ሸቶታቱ ድማ ንጉሥ ቻርለስን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን  ንፍጥረት ዘለዎም ሓባራዊ ቘራጽነት ንምጕላሕ እዩ ክካየድ ተሓሲቡ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ምስ ንጉስ ቻርለስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ምስ ንጉስ ቻርለስ   (@Vatican Media)

ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ብቛንቋ ላቲንን እንግሊዝኛን ዝተኻየደ መደብ ጸሎት፣ ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ብሪጣንያን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ጽቡቕ ርክብ እተመስረተ እዩ። እቶም ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ኣንግሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ከም ምዃኖም መጠን ንነዊሕ እዋን ኣብ ሕብረት እምነት ተሳትፎ ንምግባር ቈራጽነት ዝገበሩ ንጉስ ቻርለስ ዝነበሮም ሕልምታት እውን ፈጺሞም ኢዮም።

ኣብ መንጎ ኽልተ እምነታት ዘሎ ድልድል

ኣብቲ መደብ ጸሎት ካብቲ ናይ መኽፈቲ መዝሙር ዝንበረ ፍረ ነገር ክርስትያናዊ ሓድነትን ኢቁመናዊ ዝምድናታት ንጹር እዩ ዝነብረ። እቲ በዅሪ ጽሑፍ ብዶክተር ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣምብሮስ ብዓል ሚላን ዝተጻሕፈ ድማ ኢዩ ዝንበረ። ናብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቅድሚ ምምላሱ ንፍርቂ ዘመን ህይወቱ ኣብ ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ዘሕለፈ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ውን ዝተተርጐመ ጸሎት ኢዩ ዝንበረ።

ንጉስ ቻርለስ ኣብ 2019 ኣብ ሥርዓተ ኣዋጅ ቅድስትና ናይዚ እንግሊዛዊ ሊቅ ሥነ መለኮት ተኻፊሉ ምንባሩ ውን ዝዝከር ኢዩ። ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ብዕለት 1 ሕዳር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ውን ከም ናይ ቤተክርስትያን ዶክተር ተባሂሉ ተሰይሙ ይርከብ።

ነዚ ናይ ሕብረት ሃዋህው ብምቕጻል እታ ቤት ጸሎት ብድምጺ እቶም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዊንድሶር ዝርከብ ቤተ-ጸሎት ቅዱስ ጆርጅ ከምኡውን ብንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን እተዓደሙ መዛሙራን ህጻናት ቤተ-ክርስትያን ቤተ ንጉስ ቅዱስ ጄምስ ዝመሊኣ ንበረት። ሰለስቲኦም ጕጅለታት መዛሙራን ድማ መዝሙራትን ናይ ክፍሊ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎትን ይዝምሩን የገልግሉን ነበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ንጉስ ቻርለስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ንጉስ ቻርለስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ   (@Vatican Media)

እቲ ናይቲ ቤት ጸሎት ኦርጋን መደብ ጸሎትን ኣገልግሎታትን ከም ዘብቅዐ ምስ ገለጸ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ንጉስ ቻርለስ ጐድኒ ብምዃን ካብቲ ቤት ጸሎት ሲስቲን ተዓጂቦም ወጹ።

24 Oct 2025, 17:11