2025.10.31 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንመንእሰያት፡ ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታት እምነት ብተነጽሎ ከይንበር ይምዕዱ 2025.10.31 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንመንእሰያት፡ ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታት እምነት ብተነጽሎ ከይንበር ይምዕዱ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንመንእሰያት፡ ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታት እምነት ብተነጽሎ ከይንበር ይምዕዱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ኣህጉራዊ ኣማኻሪ ኣካል መንእሰያት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቶም መንእሰያት ተነጽሎ ንምምካትን ቤተ ክርስቲያን ንዝተጸገሙ ክትበጽሕ ንምሕጋዝን ኣብ ሲኖዶውነት፣ ተልእኾን ተሳትፎን ከተኵሩ ኣተባቢዖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንእሰያት ተነጽሎ ንምምካት፡ ናብ ክርስቶስ ክቐርቡን ቤተ ክርስቲያን ናብቶም ኣብ ሕድጋት ዘለዉ ክትበጽሕ ንምሕጋዝን ኣብ ሲኖዳውነትን፡ ተልእኾን ተሳትፎን ከተኩሩ ኣተባቢዖም፡ ነቶም ንዓለማውያንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተኣሳሰረ ኣህጉራዊ ኣማኻሪ ኣካል መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ዝገበረ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣረኣእያ መንእሰያት ናብ ቅድስቲ መንበር ንምምጻእ ዝዓለመ (IYAB) ካብ ዝሓለፈ 28 ጥቅምቲ ጀሚሮም ኣብ ሮማ ተኣኪቦም ንመንእሰያት ካቶሊካውያን ዝጸሉ ኣርእስታት ብፍላይ ሲኖዳውነት፡ ተልክእኾን ተሳትፎን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ቅዉም ሓሳባት ድሕሪ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 31 ጥቅምቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም እተራኸቡን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንኣባላት ኣህጉራዊ ኣማኻሪ ኣካል መንእሰያት፡ “ንስኻትኩም ንብዙሓት መዛኑኹም ትውክሉ፣ ብኣኻትኩም እውን ንቤተ ክርስቲያን ‘ክዛረቡ’ ይኽእሉ - ቢሎም - ድምጽኹም ይስማዕን ዕቱብ ትዅረት ከም ዝገበረሉ ኣረጋግጽ፡ ኣበርክቶኹም ብዋጋ ዘይሽነን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታት እምነትካ ተነጺልካ ዘይምንባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን “ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን” ከም ብድሆ መበገሲ ክትከውን ከም እትኽእል ኣስሚሮምሉ፣ እዚ ድማ እምነትካ ብፍላይ ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዘመንን ተነጺልካ ከይነብር ዘተባብዕ እዩ። “ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት መንእሰያት ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን ዕዉት መደባትን ኣብ መርበባት ህቡብ ክርስትያናዊ መሰክርነት እምነት ከም ዝቐረቡ” ኣስተብሂሎም፡ ይኹን እምበር፡ “ብመርበባት ዝተረኽበ እምነት ስቡእ ከይኮነ፡ ኣብ ውልቃዊ ተመክሮታት ጥራይ ዝተሓጽረ ብኣእምሮኣውን ስምዒታውን መዳይ ዘረጋግእ፡ ካብ ‘ቤተ ክርስቲያናዊ ኣካል’ ዝተፈልየ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ኩነታት፡ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ካልኦት ብምክፋል ዘይንበር” ኮይኑ ናይ ምትራፍ ሓደጋ ክጋጥሞ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቀመራዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንውልቀሰባት ድምጺ ዝህብ ጽላት ይፈጥር፡ ብሕታዊ ምርጫታትን ጣዕምታትን ብምእካብ ከምኡውን ብማራኺ ሓሳባት 'ኣብ ምምላስ' ጥራይ እዩ ዚሕጸር። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝንባለታትን ትንቢታትን እሱር ምስ ገዛእ ኣብ - በይናውነቱ እዩ ዝተርፍ።"

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸረ መርዚ ናይዚ ሓደጋ “ተመኩሮታት ናይቲ ዝተነብረ ሲኖዳውነት” ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ “ናይ ገዛእ ርእስኻ ዕንቅፋታት ንምብዳህን መንእሰያት ኣድማዕቲ ኣባላት ስድራቤት ኢየሱስ ክርስቶስ ክኾኑ ንምትብባዕን” ዝሕግዝ እዩ።

ንቤተ ክርስቲያን ድምጺ ድኹማትን ድኻታትን ክትሰምዕ ሓግዙዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ ኣብ ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ መንእሰያት “ብስም መዛኑኦም ክዛረቡ ይጽውዑ” ብፍላይ ድማ “ድኹማትን ድኻታትን ዝተገለሉን ስደተይናታትን ምስ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ዝቃለሱን፣ ወይ ድማ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንምርካብ ዝቃለሱን” ድምጺ ብምዃን፡ "መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዞም ድምጽታት ብጫውጫው ሓያላት፡ ዕዉታትን ኣብ 'ፍሉይ' ክውንነት ዝነብሩን ይዕብለሉ" እንክብሉ ኣስተንቲኖም፡ ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን “መንፈስ ቅዱስ ንመንእሰያት ዝብሎ ክትሰምዕ” ከምኡ’ውን “ንውህበታቶምን፡ ንዕድመኦምን ስምዒታቶምን ፍሉይ ዝኾነ ውህበታቶም ክትቅበሎ” ትደሊ። ሲኖዳውነት፡ “ብኣምሳል ቅድስቲ ስላሴ፡ ቤተ ክርስቲያን’ውን ሕብረት ሰብ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዘመን፡ ቋንቋን ሃገርን ምእመናን፡ ብሓባር ዝጓዓዙ፡ ንሓድሕዶም ዘሀብትሙን መንፈሳዊ ውህበታቶም ዝካፈሉን ምዃና ንምግላጽ ይሕግዝ” እንክብሉ የብርሁ።

ኪኖ ትርኢት ምጥማት፡ መራሕቲ ምህዞን ትብዓትን ኩኑ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ሓቀይና ሲኖዳውነት” ብመንፈስ ቅዱስ ከመይ ከም ዝምራሕ በዚ ድማ “ናብ ተልእኾ ከም ዝመርሕን” ኣጉሊሖም። "ንጉባኤታት ሕግታት ዝምልከት ሕቶ ኣይኮነን፡ የግዳስ ንመንፈስ ብምስማዕ ንተግባር ኣምላኽ ቦታ ምሃብ ማለት እዩ።” መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ናብ "እቲ ሓቂ ዝኾነ ኢየሱስ" ዝመርሕ እዩ - ምስ በሉ - ነቶም መንእሰያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን፡ ከመይ ጌርካ ወንጌል ናብ ኩሉ ከም እተብጽሖ” ንምፍላጥ “ክፉት ልቢ ክህልዎም፡ ንኽልቲኡ ‘ምትብባዕ’ መንፈስን ንዓሚቝ ‘ባህግን’ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ክሰምዑ ድሉዋት ክኾኑ” ኣተባቢዖም።

“ንህይወት ትርጉም ዝህብ ሓቀይና መልሲ ንምድላይ ኪኖ ትርኢት ምጥማት የድሊ። ንጻውዒት እግዚኣብሔር ክፉት ዝኾነን ኣብ ናይ ውልቃዊ መደባት ዘይተዋሕጠን፡ ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ክትርድኦን ክስቆረካን ፍቓደይና ዝኾነ ልቢ ክህልወካ ኣለዎ። ኣምር ተልእኾ ካብ ፍርሒ ሓራ ምውጻእ እውን የጠቓልል፣ ምኽንያቱ ጐይታ ሓድሽ መንገዲ ክንሰርሕ ክጽውዓና ይፈቱ” ብምባል መንእሰያት “መራሕቲ ምህዞን ትብዓትን” ክኾኑ የተሓሳስቡ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተሳትፎ ካብ መንፈሳውነት እምበር ካብ ህልዩ ወይ ፖለቲካ ኣይመጽእን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጉጅለ መንእሰያት “ንልኡኻዊ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ጸዓትን ናህርን ዝህብ” ዝገብርዎ ዕዮ ኣመስጊኖም። ኣባላት ኣህጉራዊ ኣማኻሪ ኣካል መንእሰያት (IYAB) ናይ ሓደ ሰፊሕ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ ዓለማዊ መዓልቲ መንእሰያትን ስሩዕ ኣገልግሎት መንእሰያትን ዘጠቓልል እዩ፣ በዚ ድማ “ንቤተክርስትያን ንዘልኣለም መንእሰይ ይገብራ።”

ነዚ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እዚ ጉጅለ መንእሰያት “ልዕሊ ኩሉ” ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝቐንዐ ሕይወትን ኵላዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ይሳተፉ ከምዘለዉ ክግንዘቡ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "ሓቀይና ቤተ ክርስቲያናዊ ተሳትፎ ካበይ ይመጽእ? ምስ ልቢ ክርስቶስ ካብ ምቅርራብ ዝምንጩ ምበልኩ። መበገሲኡ እምበኣር መንፈሳዊ እምበር ህልዩ ወይ ፖለቲካዊ ኣይኮነን ምስ በሉ፡ ብሓቂ ንኣባላት ኣህጉራዊ ኣማኻሪ ኣካል መንእሰያት (IYAB)፣ ነቶም ናይ ዘመንና መንእሰያትን “ተስፋኦምን ሕልምታቶምን ጸገማቶምን” “ብተመሳሳሊ ርህራሄ ክርስቶስ ክጥምትዎን ብእምነት ዝተደፋፍአት ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጌራ ክትቅበሎም ክትወጽእ ከም እትኽእል ክሓስቡ ክጽዕሩን ተማሕጺኖም።”

ናይ ካልኦት ስቓይ ናትካ ምግባር

ኣብ ወንጌል፡ ክርስቶስ ኪኖ “ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ንእሽቶ ዓንኬል ደቀ መዛሙርቲ” ከም ዝጥምት፡ መልእኽቱ ናይ ምድሓን፡ ሓድነት እምነትን ሓድሕዳዊ ፍቕርን ናብ “ኩሎም ሰባት፡ እንኮላይ ነቶም ርሑቓት ዝኾኑን ኣብ መጻኢ ንዝመጹን” ክበጽሕ ከም ዝምነ ኣስተብሂሎም፡ “ጐይታ ኩሉ ግዜ ንዓለም ብምልእታ ኣብ ልቡ ይስከማ። እዚ እዩ ምንጪ ተሳትፎ - ቢሎም - በዚ ኸኣ ነቶም መንእሰያት “ከምቲ ዝስምዖም ክስምዑ ይገብር፡ ብጸሎትን ብቅዱሳት ምስጢራትን ብመዓልታዊ ሕይወትን ኣዕሩኽ” ኢየሱስ ክኾኑ ንኹሎም ዓዲሞም፡ “ስቓይ ካልኦትን ድሌታቶምን ባህግታቶምን ናትካ ምግባርን ምትንካፍን” ማለት ድማ ኮይኑ “ናይ ምስታፍ ድሌት፣ ኣካል ኵላዊት ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምዃን” ይፈጥር።

“እዚ ተሳትፎ እዚ ምልክት ሰብኣውን መንፈሳውን ብስለት እውን እዩ። ህጻናት ብዛዕባ ድሌታቶም ጥራይ ክግደሱ እንከለዉ፡ ብሱላት ሰባት ግን ንጸገማት ካልኦት ከመይ ጌሮም ከም ዝካፈሉን ናቶም ከም ዝገብርዎን ዝፈልጡ እዮም” እንክብሉ ቅዱሰንቶም ነቲ ጉጅለ መንእሰያት ኣብ ክርስቶስ “ከወስጡ” ኣተባቢዖም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Nov 2025, 15:43