2025.11.08 Udienza Giubilare 2025.11.08 Udienza Giubilare   (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ስራሕን ርግኣትን ክብርን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንኢዮቤል ተስፋ ንሰራሕተይናት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ሰላምታ ድሕሪ ኣቕሪቦም ስራሕ ንምፍጣርን "መንእሰያት ሕልሞም ኪፍጽሙን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኣበርክቶ ኺገብሩን ንኽኽእሉ፣ ሓባራዊ ቈራጽነት" ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ንግደት ኢዮቤል ንሰራሕተይናት ኣብ እተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተኣከቡ ኣስታት 45,000 ዝኾኑ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ምእመናን ድሙቕ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተዛረብቲ ቋንቋ ጣልያን፣ ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሎም እዋን "ስራሕ ምንጪ ተስፋን ህይወትን ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ናይ ውልቀ-ሰብ ፈጠራን፣ ንሰናይ ዝኾነ ክእለትና ክገልጾ ኣለዎ" ብምባል ኣተባብዕዎም።

ምዕባ ሞያ ምድንፋዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንብምሉኡ ማሕበረሰብን ንዅላቶም እቶም ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ወለዶታት ንሞያዊ ምዕባለ ዚኸውን ኵነታት ኬማዕብሉ ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ካብ ትካላትን ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ቈራጽነት ክገብሩ ተስፋ እገብር፣ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ሕልሞም ክፍጽሙን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኣበርክቶ ክገብሩን ዝኽእሉ ብቑዕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ንምፍጣር ውን ተስፋ እገብር።"

ፖላንዳውያ ነጋድያን ናይ ስራሕ ዓለም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ካብ ፖላንድ ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ድማ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልምዲ "ዓለምለኻዊ ናይ ስራሕ ጕዕዞታት" ዘኪሮም፣ እዚ ድማ ካብ ትምህርትታት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን ካብቲ ብዛዕባ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ምትእታው ኣውቶማቲካዊ  ምዕባለታት ዝኣመሰለ ዝበልዎ ካብ “ስራሕን ተግባርን” Laborem exercens  ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝመነጨ ምዃኑ ገለጹ።

እዞም ፖላንዳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ሰነድ ቤተ-ክርስትያን "ናብ ክብርን መሰላትን እቶም ሰራሕተይናታት ዝኾኑ ሰባት ኣቓልቦ ኽትስሕብ፣ ነቲ ክብርን መሰላትን ዝጥሓሰሉ ዅነታት ምዅናን ከምኡውን ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ለውጥታት ንምምራሕ ኣብ ሰብን ሕብረተሰብን ናይ ሓቂ ዕቤት ንምርግጋጽ ክትሕግዝ ከም ዕዮኣ ገይራ እያ እትርእዮ" ክብሉ ንዝጸሓፍዎ ሓሳባት እውን ኣዘኻኸርዎም።

ተስፋ ምስክርነት ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣስተምህሮኦም ወሲኾም፣ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስትያን ምእመናን ሰብ ቈረንጦስ ብዛዕባ "ጽውዓኦም ክሓስቡን" ከምኡውን "ኣምላኽ ነቶም ፈጺሞም ዘይራኸቡ ሰባት ብኸመይ ከም ዘጣመሮም ክርእዩ" ዘቕረበሎም ጻውዒት ዘኪሮም። ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንጦስ ዝጸሓፋ መልእኽቱ "እቶም ትሑታትን ሕሱራትን ሕጂ ክቡራትን ልዑላትን ኰይኖም ኣለዉ" ክብል ዝጸሕፎ እውን ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "መለክዒታት ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ዝተሓቱ ብምትኳር ንዓለም ዘናውጽን ዜተንስእ "ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዩ" በሉ።

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ "ቃል መስቀል ንሕልና የበራብር ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ድማ የነቓቕሕ። ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ተስፋ ምግባር ምስክርነት ምሃብ ማለት ኢዩ፣ ኵሉ ነገር ከም እተቐየረ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ቀደሙ ኸም ዘየልቦ ምምስካር ውን እዩ” ክብሉ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

10 Nov 2025, 13:21