ር.ሊ.ጳ. ንላቲቭያውያን ነጋድያን መንፈሳዊ ምኽሪ ይልግሱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ላቲቭያ ንፈለማ እዋን ንወግዓዊ ንግደትን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ናብ ሮማ ዝመጹ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ነጋድያን ተስፋ ዕለት 24 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፡ ኣብዚ ንግደት እዚ እውን እታ ካብ 2023 ጀሚራ ነታ ሃገር እትመርሕ ዘላ መራሒት መንግስቲ ኤቪካ ሲሊንያ እውን ኣብቲ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝሓበረት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኲናት ኣብ ዩክሬን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ላትቪያ ምስ ሩስያ እትዳወብን በቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣዝያ ዝተተንከፈትን - ምዃና ገሊጾም፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት “ናብ ኣምላኽ ምምላስን ብጸጋኡ ክንድልድልን ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ . . . ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ላቲቭያን ዘሎ ዝምድና “ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት” እናዓሞቐ ይመጽእ ምህላዉን ከምኡ እውን መራሒት መንግስቲ ኤቪካ ሲሊንያ ኣብቲ መንፈሳዊ ንግደት ምሕባራን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዘየደናግር ተስፋ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ እቶም ኣብ ሮማ ዝተቐብሩ ቅዱሳን፡ “ኩነታቶም ዘይውሑስን ጽንኩርን እውን እንተነበረ ተስፋ ዘይቆረጹ ምንባሮም” ኣረጋጊጾም፡ ተስፋ ማለት “ኩሉ ንዅሉ መልሲ ምርካብ” ማለት ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣምላኽ ምውካልን ንክርስቶስ ብዝያዳ ምስዓብን” ዝብል ሕቶ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቦታን ስቕታን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረኦም ኣብ ምዝዛም፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይቲ ካብ ላቲቭያ ዝመጸ ጉጅለ ዝጀመሮ ንግደት ኣማእኪሎም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዕዞታት፡ “ካብ ልምድን ጫውጫውን መዓልታዊ ህይወት” ዘርሕቐና፡ “ድምጺ ኣምላኽ ብዝያዳ ብንጹር ክንሰምዕ ቦታን ስቕታን” ከም ዝህበና ኣረጋጊጾም፡ በዚ ኸምዚ ቅዱስነቶም ንነጋድያን ላቲቭያ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ሮማ ዘሕልፍዎ ግዜ እናሓሰቡ “እምነትኩም ከደልድልን ዓለም ክትህቦ ዘይትኽእል ሰላም ምእንቲ ክህበኩምን ብዝበለጸ ክትጥቀምሉ እዕድም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
