ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይጀርያን ካሜሩንን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ይጽውዑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይጀርያን ካሜሩንን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ይጽውዑ  (ANSA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይጀርያን ካሜሩንን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ኣብ ዘብዓለትሉ ሰንበት ዕለት 23 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብ ናይጀርያን ካሜሩንን ዝተጨውዩ ተማሃሮን ካህናትን ናጻ ክልቀቝ ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ናይጀርያን ካሜሩንን ኣብ ልዕሊ ካህናትን ተመሃሮን ኣባላት ምእመናን ክርስትያን ዝተፈጸመ ጭውያ ዘሕደረሎም “ዓሚቝሓዘኖም” ገሊጾም፣ ሰበስልጣን እቶም ጅሆ ዝተታሓዙ ናጻ ክልቀቝ ኣበርቲዖም ክዓዩን ናጽነቶም ከረጋገጹን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ኒጀር ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ዓርቢ ዕለት 21 ሕዳር ተማሃሮን መምህራንን ዝርከብዎም ብጠቕላላ ኣስታት 315 ሰባት ከም እተጨውዩን ኣብታ ሰሙን እቲኣ፡ ኣብ ካሜሩን ከተማ ንዶፕ፡ ካብ ርእሰ ሰበኻታት ባመንዳ ሽዱሽተ ካህናት፡ ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ኮሙን ጃኪሪ ሓደ ናይ ባብቲስት ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ከም እተጨውዩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዑ ቃል፡ እቲ ኣብ ናይጀሪያን ካሜሩንን ኣብ ልዕሊ ካህናትን ምመናንን ተመሃሮምን ዝተፈጸመ ጭውያ ዘሕደረሎም “ዓሚቕ ሓዘን” ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ “ብፍላይ ነቶም ዝተጨውዩ ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ጭንቀት ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ጸሎቶምን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ “እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ልባዊ ጻውዒት አቕርብ፡ ሰበ ስልጣን ድማ ሓርነቶም ንምርግጋጽ ግቡእን እዋናውን ውሳኔታት ክወስዱ እላቦ - ምስ በሉ - ኣብያተ ትምህርቲ ኣብያተ ክርስቲያን ብፍጹም ዕላማ ዓመጽ ከይከውን ኩሉ ክጽሊ” ዓዲሞም፡ “ምእንቲ፡ እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንጸሊ፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብያተ ትምህርትን ኩሉ ግዜን ኣብ ኩሉ ቦታታትን ናይ ድሕነትን ተስፋን ቦታታት ኮይነን ክቕጽላ መታን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዩክሬን፡ ቱርኪ፡ ሊባኖስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 23 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ በዓለ ክርስቶስ ንጉስ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሓበሩ ምእመናን ዩክሬን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ “ናይዚ ናይ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሕቑፍን ጸሎትን ናብ ገዝኦም ከብጽሑ” ተማሕጺኖም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብምዝኽኻር፡ ሓሙስ ዕለት 27 ሕዳር ናብ ቱርኪ ክብገስ እየ፡ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ጽምብል መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ - ናይ ሎሚ ኢዝኒክ” ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሓድነትን ናይ ኒቅያ ጸሎተ ሃይማኖትን 325 ዓ.ም. ኣማእኪሎም “In unitate fidei - ህቡራን በእምነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሃዋርያዊት መልእኽቲ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ወግዓዊ ምዃና ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

24 Nov 2025, 15:07