2025.11.02 Angelus 2025.11.02 Angelus  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንሕና ምስኡ ብሓጐስ ክንመላለስ ዘሎና ቤተክርስቲያን ክርስቶስ ኢና!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ንኣመንቲ "እቲ ሓቀይና ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ክርስቶስ ኢዩ" ብምባል ኣዘኻኺሮምዎም፣ ንሱ ክርስቶስ "እቲ እንኮ ማእከላይ ምድሓን በይኑ ተበጃዊ ኢዩ፣ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሰብነትና ብምሕባርን ብፍቕሩ ብምልዋጥን፣ ነቲ ገፊሕ ኣፍደገ ዝኸፈተልናን፣ ናብ ኣቦ ዚመርሓናን ኣፍ ደገ ዚውክል ውን" ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝሓልፈ ሰንበት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣  "ንሕና ቤተ-ክርስትያን ክርስቶስ፣ ሰብነቱን ኣባላቱን ኢና፣ በቲ ልዕሊ ዅሉ ኣብ ምስክርነት ህይወትና ክንጸባረቕ ዘለዎ መንፈሳዊ ኣምልኾ ኣቢልና ድማ ወንጌል ምሕረትን ምጽንናዕን ሰላምን ኣብ መላእ ዓለም ክንሰብኽ እተጸዋዕና ኢና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ውን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብፍላይ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን "ምስጢር ሓድነትን ሕብረትን ምስታ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ክርስትያናት ምእመናን ክትሓልየሎም ኣደ ክትከውን እተጸውዐት" ምዃና ኣዘኻኺሮም።

ብዛዕባ እቲ ካቴድራል ሰበኻ ሮማን መንበር ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን "ሓለፍ ዝበለ ታሪኻውን ስነ-ጥበባውን ሃይማኖታውን ዋጋ ዘለዎ"፣ ብምትኳር ብፍላይ ከኣ "ነቲ ብሃዋርያት ሕድሪ እተዋህበን እተዓቀበን እምነትን ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ዘመሓላለፍ ሓይሊ እዩ" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ዕቤት እዚ ምስጢር እዚ፣ ኣብቲ ኣብ ማእከላዊ ክፍሊ ምስሊ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ዝሓዘ ብስነ-ጥበባዊ ግርማ እተ ሓንጸ ህንጻ ባዝሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተረአን እውን ነዚ ከም ዘንጸባርቕ ብምጥቃስ፣ እዚ ናብ መንፈሳዊ ትርጉሙ ብኸመይ ከም ዘመልክት ውን ሓበሩ፣ "እዚ ኣካላዊ ቦታ ብእምኒ እተሰርሐ ህንጻ ድማ ካብ ደጋዊ ትርኢት ሓሊፍና ምስጢር ቤተ-ክርስትያን ካብ ተራ ቦታ ንላዕሊ ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና" በሉ።

እቲ ሓቀይና ቤተ መቕደስ ኣምላኽ፣ ክርስቶስ እዩ!

ይኹን እምበር "ከምቲ ወንጌል ኣብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ከም ዘንጽሓ ዜዘኻኽረና፣ እቲ ሓቀይና መቕደስ ኣምላኽ እቲ ዝሞተን ዝተንስአን ክርስቶስ ባዕሉ እዩ" በሉ።

"ንሱ ጥራይ እዩ ማእከላይ ድሕነትና፣ ንሱ ጥራይ እዩ ተበጃዊና፣ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሰብነትና ብምሕባርን ብፍቕሩ ብምልዋጥን ነቲ ኣፍደገ ብግህዶ ዚኸፍተልናን፣ ናብ ኣቦ ዝመርሓና ማዕጾ ዚውክል ውን ንሱ ጥራይ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ንሕና እውን ህያዋን ኣእማን እዚ መንፈሳዊ ህንጻ ኢና፣ ቤተ-ክርስትያን ኣካላት ክርስቶስ ኢና፣" ብመዓልታዊ ምስክርነትና ኣቢሉ መልእኽቲ ምሕረቱ ክንሰብኽ ዝተጸውዓ ውን ኢና።

ቅዱሳት ህዝቢ ኣምላኽ ብምዃንና ብሓጐስ ንመላለስ

"ኣሕዋተየ ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ኣመለኻኽታ ንኺህልወና ንልብና ኸነሰልጥኖ ኣሎና፣" ክብሉ ውን ኣትሪሮም ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል "ድኽመትን ጌጋታትን ክርስትያን ምእመናን ምስ ብዙሕ ምድንጋራትን ጽልእን ተደሚሩ ንሃብታም ምስጢር ቤተ-ክርስትያን ንኸይንርድኦ ይዓግተና ኣሎ" ብምባል ውን ኣግፊሖም ኣስተምሃሩ። “ቅድስና ቤተክርስቲያን ግና ኣብ ጻማ ተግባራትና ዝምርኮስ ኣይኮነን” ክብሉ ውን ኣስመሩሉ፣ እንተኾነ ግን በቲ ግርምቢቕ ዝኾነ ፍቕሩ ኣብቲ ህሩያት ማሕደር ህላዌ አምላኽ ክንከውን ነቲ ረሳሕ ሰብኣዊ ኣእዳውና ብቐጻሊ ዝሓርየና ኣብቲ ‘ዘይደክም ውህበት ኣምላኽ’ ኢዩ ዝምርኮስ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ በነዲክት መበል 16 መእተዊ ክርስትና ዝተሰምየ መጽሓፎም ዝጸሓፍዎ ጠቒቦም ኣስተንተኑ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "እምበኣር እቲ ኣምላኽ ዝመረጾ ቅዱስ ህዝቢ ብምዃንና ብሓጐስ ንመላለስ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ቤተ-ክርስትያን፣ ንክርስቶስ ክንቅበሎን ብኣማላድነታ ድማ ክትሕግዘናን ንጸሊ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር
10 Nov 2025, 13:27