ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ራማፎሳ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ራማፎሳ  (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ራማፎሳ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 8 ሕዳር ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ማታሜላ ስይሪል ራማፎሳ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀዳም ዕለት 8 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ማታሜላ ስይሪል ራማፎሳ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ብመሰረት ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ ኣብቲ "ምዉቕ ክሌኣዊ ዘተ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ኣበርክቶ ኣገዳስነቱን ልዕሉ ምዃኑን ብፍላይ፡ "ኣብ መዳያት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን" ከም እተሰመረሉ ክፍለጥ እንከሎ፡

ቤተ ክርስቲያን "ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዘተን ዕርቅን ንምዕባይ ቀጻሊ ዘለዋ ተወፋይነት" እውን ኣፍልጦ ከምዝተዋህበሉ እቲ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።

10 Nov 2025, 15:50