ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብዚ በዳሂ ዝኾነ ግዜና ንክርስቶስ ማእከል ህይወትና ንግበሮ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባላት ማሕበር በነዲክታውያን ትማሊ ሰሉስ ዕለት 11 ሕዳር መበል 125 ዓመት ቡራኬ ናይታ ኣብ ሓደ ኣቨንቲን እትሰምየ ኩርባ ከተማ ሮማ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣንሰልሞ ንምዝካር ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ንክርስቶስ ማእከል ህይወቶም ብምግባር ነቲ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆታት ምላሽ ክህቡ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ "እቲ እንርእዮ ዘለና ሃንደበታዊ ለውጥታት የሕዝነናን ተተሓሳስበናን ኢዩ ዘሎ፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጕዳያት ውን የበግስ እዩ ዘሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "እዚ ክብረ በዓል እዚ ምስ ከም በዓል ሓዋርያ ጴጥሮስን ምስኡ ድማ ቅዱስ በነዲክቶስን ብዙሓት ካልኦትን ሓቢርና ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ህላወናን ተልእኾናን ብምግባር ጥራይ ኢና፣ ነቲ ናይ ጽውዓና ጠለብ ምላሽ ክንህበሉ እንኽእል፣ ካብቲ መድሓኒና ምዃኑ እንእመኖ፣ ናብ ጸሎት ከም እንትርጕሞ ብምግባር ጥራይ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኸሩ። ንቅድስና ህይወት ኣጽኒዕካ ኣብ ምሓዝ ቈራጽነትን ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ተላበዉ።
ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣንሰልሞ ብማሕበር ካህናት በነዲክቶሳውያን ኣብ ዝግልገል ህንጻ እያ እትርከብ፣ ብኣህጉራዊ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ቅዱስ በነዲክቶስ ኢያ ድማ እትመሓደር። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ እቲ ቦታ፣ ነቲ ቀዳሞት ኣቦታት እዚ ማሕበርን፣ እዞም ኣብዚ እዋን እዚ ኣበኔት ናይዚ ገዳም ዘለዉ ክቡር ኣባ ኤርምያስ ሽሮደርንን ኣባላት መኽርቲ ጳጳሳዊ ኣቴንዩም ዘቅዱስ ኣንሰልሞ መንበሪ ገዳሞም ውን ዘጠቓልል ኢዩ።
ገዳማት ኣብቲ ጸልማት ዝኾነ እዋናት ሰላም ኣስፊኖም እዮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ብምቕጻል፣ እቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13፣ ነቲ እተሓላለኸ ማሕበር በነዲክቶሳውያን ብኸመይ ከም ዘተባበእዎ ውን ኣጕልሑ፣ ከመይሲ ማሕበር ገዳማውያን ቅዱስ በነዲክቶስ፣ "ካብ መበል 19 ክሳዕ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝንበረ ግዜ ብድሆታት ኣብ ዝመልአሉ እዋን ንምስጋር ዘኽኣለ፣ ንረብሓ መላእ ሕዝቢ ኣምላኽ ዓብዪ ሓገዝ ክገብር ከም ዚኽእል ይኣምኑ ነበሩ" ክብሉ ውን መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም፣ ገዳማዊ ህይወት ካብ መበቈሉ ኣትሒዙ "ተባዓት ሰብኡትን ኣንስትን፣ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕን ክብጻሕ ዘይክእልን ቦታታትን ማእከላት ጸሎትን ስራሕን ኣገልግሎት ግብረ-ሰናይን ንኽምስርቱ" ዝደረኾም "ምኽንያት" ምንባሩ ውን ኣጕልሑ።
"ስለዚ እዚ ገዳም ውን ብወገኑ፣ ኣብ ኣዝዩ ጸልማት ዝነበረ እዋናት ታሪኽ እውን ከይተረፈ ንገዛእ ርእሱ ከም ህንጸት ሰላም ብምቕራብ፣ እንግዶትን ከምኡውን ሓድነትን ዘለዎ ቦታ ኮይኑ እዩ ዝግለጽ" በሉ።
ቤት ትምህርቲ ናይ ጐይታ ኣገልግሎት ኩኑ
ብመሰረት ትምህርትታት እቲ ነዚ ማሕበር እዚ ዝመስረተ ቅዱስ በነዲክቶስ፣ ንዓለም "ህያው ዝኾነ ልቢ ንምዃን ባህጊ" ኺገብሩ ውን ኣተባብዕዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ገዳም እዚ ቅዱስ ህይወት ንምንባር ዘለዎም ቈራጽነት ድሮ ብእተፈላለየ መገድታት ይንጸባረቕ ከም ዘሎ ውን ገሊጾም፣ "ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምኡውን ቅድም ቀዳድም ኣብ መለኮታዊ ንባብን (ሌክቲዮ ዲቪና)፣ ኣብ ምርምርን ኣብ ጉስነታዊ ኣገልግሎትን፣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ፈለስቲ ብምስታፍ፣ ከምኡውን ካብ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ኵነታትን ንዝመጹ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ከምኡውን ንምእመናንን ክፉት ብምዃኑ" ይንጸባረቕ ከም ዘሎ ገለጹ። ነቲ ማሕበርን ተቕዋማቱን ከም ናይ ሓቂ "ቤት ትምህርቲ ናይ ጐይታ ኣገልግሎት" ገይሮም ኣብ ዕቤት ክቕጽሉ ውን ጻውዒት ኣቅረቡሎም።
ቅዱስነቶም ወሲኾም "ምስሊ ናይቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ዚውሕዝ ርባ" ብምግላጽ፣ ካብ ትንቢተ ህዝቅኤል እተወስደ ናይ መጀመርታ ንባብ ብምጥቃስ፣ እዚ ነቲ "ነፍሲ ወከፍ ኣካል ንጥቕሚ ኻልኦት ዚኸውን ምግብን ብርታዐን ምእንቲ ኺረክብ፣ ነቲ ህይወት ዝህብ ደም ናብ ሰብኣውነትና ዜፍሰሰ ልቢ" ዚብል ሓሳብ ብዚግባእ ዝገልጾ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ። ኣብ ካልኣይ ንባብ ከኣ ብዛዕባ እታ ኣብ ጽኑዕ እምነ መሰረት ክርስቶስ እተመስረተት "መንፈሳዊ ቤት" ምጥቃስ ኣስተንተኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ቀጺሎም፣ "ኣብ ትግሃት ማዕከን ቅዱስ ኣንሰልሞ እዚ ኩሉ ነገር ዝጅምረሉን፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መረጋገጽን ጽንዓትን ዓሚቝ ምርድዳእን ንምርካብ፣ ኵሉ ነገር ናይ ናይ ቀደሙ ክብሪ ዝምለሰሉ ቦታ ይኹን" ብምባል ብኣጽንዖት ተዛራቡ።
እዚ ተቕዋም እዚ "ትንቢታዊ መልእኽቲ" ናብ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ከመሓላልፍ ተስፋ ከም ዝገብሩ ድማ ገለጹ፣ "እቲ ካብ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ዝጸውዓና ነቲ ዘደንቕ ግብርታቱ ክንሰብክ ኢና" ብምባል ውን ኣመልከቱ።
ንኢየሱስ ናብ ኵሉ ኣብጽሕዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብተወሳኺ እቲ ታሪኻዊ ቡራኬ እዚ ቤተክርስቲያን፣ "ኣብ ታሪኽ እዚ ቅዱስ ህንጻ፣ ኣብ መንጎ ቦታን ግዜን፡ ኣብ መንጎ እቲ ውሱን ደረት ዘይብሉ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ከም መራኸቢ ቦታ ኮይኑ ተቐዲሱ፣ እቲ ዝተባረኸሉ እዋን ድማ ኣገዳሲ ህሞት እዩ ዝንበረ" በሉ።
ነዚ ሓሳብ እዚ ደጊሞም ድማ፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን "ሰብኣውን መለኮታዊትን" ከም ዝዀነትን ከምኡውን "ሰብ ብመለኮታዊ ሓይሊ ዝምራሕን ዝግዛእን እዩ፣ እቲ ዝርአ እውን ንዘይርአ ተግባር ናብ ምስትንታን፣ እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ናብታ እንምነያ እትመጽእ ከተማ" የጠምተና ቢሎም እንካብቲ “ቅዱስ ጉባኤ” እተሰምየ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምጥቃስ ደጊሞም ኣረጋገጹ።
"ተመክሮ ህይወትናን ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ነቲ 'ስጋን ደምን' ክገልጾ ዘይክእል ናይ መወዳእታን መሰረታውን መልሲ ምድላይ እዩ። ኣብ መወዳእታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ 'ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ' የድልየና እዩ" ብምባል ውን ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ።
ኣብ መደምደምታ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ምእመናን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪደልይዎን ናብ ኵሉ ከብጽሕዎን ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ "ስለቲ ዝሃበና ውህበት ልዕሊ ዅሉ ድማ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ፍቕሪ ነመስግኖ። ሽዑ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ነቲ ብናጻ እተቐበልናዮ ንኻልኦት ናይ ምክፋል ጽባቐ እንረኽበሉ እንኽእል ሓጐስ እንረኽበሉ ቦታ ኽትከውን እያ" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።
