2025.11.07 ር.ሊ.ጳ. ናሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ኣሕሉቕ ኣብ ምሕደራ ካብ 'ደውታ' ርሓቑ፣ ነሕዋትኩም ኣስተንፍሶ ተስፋ ኵኑ 2025.11.07 ር.ሊ.ጳ. ናሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ኣሕሉቕ ኣብ ምሕደራ ካብ 'ደውታ' ርሓቑ፣ ነሕዋትኩም ኣስተንፍሶ ተስፋ ኵኑ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንገዳማውያን ኣብ ምሕደራ ካብ 'ደውታ' ርሓቑ፣ ነሕዋትኩም ኣስተንፍሶ ተስፋ ኵኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተሳተፍቲ መበል 65 ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ሕይወትን ዓበይቲ ኣሕሉቕ ኢጣልያ ብምርኻብ፡ ሲኖዳውነት ንናይ ማሕበራቶም ማሕበራዊ ሕይወትን ተልእኾታቶምን ንምምራሕ ብኸመይ ክሕግዞም ከም ዝኽእል የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓርቢ 7 ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቫቲካን ምስ ተሳተፍቲ መበል 65 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ናይ ኢጣልያ ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ቤት ምኽሪ (CISM) ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ሲኖዳውነት ኣብ ተልእኾኦምን ምሕደራኦምን ከም ዝሕግዞም ብፍላይ ኣጉሊሖም፡ “ዝንባለታት ርእሰ - ውከሳ” ወይ “ደውታ” ንምውጋድን ኣብቶም ካልኦት ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሃዋርያዊ ህይወትን ተስፋ ንምልዕዓልን” ከም ዝሕግዝ ኣጒሊሖም፣ እቲ “ምምሕዳር ተስፋ፡ ቅጥዕታትን ኣገባባትን ምሕደራ ኣብ ኣባይቲ ዞባታት ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ሕይወትን ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ናይቲ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ "ማሕበረሰብ ኣመንቲ ካብቲ ዝነብረሉ ግዜን ቦታን ዘሎ ደራኽን ወይ ብድሆታት ፈጺሙ ዝረሓቐ ኣይኮነን፡ ቤተ ክርስትያን ድማ መልእኽቲ ክርስቶስ ናብ ኵሉ ኽፍሊ ሕብረተሰብን ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለምን ንምብጻሕ" ናይ ምመናን ኩነታት ናታ ክትገብር ትጽዕር፡ ኣብዚ ተልእኾ እዚ ህላወ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ወትሩ "ኣገዳስነትን ተሰቋርነትን" ምዃኑ ጊሊጾም፡ እቶም ዓበይቲ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ነቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዝመረጽዎ መርሕ ቃል፡ “ነዚ ተራ ዘለዎም ተወፋይነት” ዘርኢ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝጀመረቶ ጒዕዞ ሲኖዳውነት" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ዘተ፡ ሓባራውነትን ሕውነታዊ ነቐፈታን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዝተዘርግሐ ናይ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ ንማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ኣብ ምሕደራኦም ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝተወሰኑ መምርሒታት መሰረት ገይሮም፡ “ሓድሕዱ ዝተኣሳሰር መስርሓት” ብምባል ሰለስተ ኣገደስቲ ኣተሓሳስባታት የቕርቡ፡ “ዓቕለስያዊ መመያ፡ ንመስርሕ ውሳነታት ሓልዮት” ከምኡ’ውን “ንተሓታትነትን ምግምጋም ውሳነታትናን ተወፋይነት” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ “ተኣማንነት ንቤተክርስትያን ንተሳትፎ ኣሕዋት ይመርሕን የብርህን፣ ንሓባራዊ ሓላፍነቶም ድማ የደልድል፣ ግሉጽነት የረጋግጽን ነቲ በይኑ ምትሕብባር ኩሉ ከስፍሕ ዝኽእል ሓድሕዳዊ ክፉትነት የዕቢን። "ቅንዕና ዝመልኦ ዘተ፡ ሓባራውነትን ሕውነታዊ ነቐፈታን ንዝዀነ ይኹን ፍሉይነትን ርእሰ ውከሳውን ዝንባለ ንምውጋድን ንምቅዋምን ኣጸቢቑ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። “ተሪርነትን ደረቕነትን ከዕብዩ ዝኽእሉ ዓይነታት ደውታ” ንምውጋድ ስሩዕን “ፍረ ዘለዎን ምውርራስ ሓላፍነታትን ኣብያተ ጽሕፈትን” ምህላው ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "ኣብ መወዳእትኡ እዚ ናይ ምንጻህ ጕዕዞ እዩ" ብምባል እቲ ዕላማ "ውልቀ - ሰባትን ማሕበረሰባትን ብውልቃዊ ዕቤትን ግብረ ሰናይን ብዝያዳ ናጻ ንምግባር እዩ" እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ነቲ ብመስረትቲ ዝተፈላለያ ንማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ዝቐረበ መበቆላዊ ተልእኾታት "ኣድላዪ ዘይኰነ ወይ ጐዳኢ መዋቕርን ምትእስሳርን" ዘወግድ "ሓድሽ ንመበቆላዊ መንፈሳዊ ህያብ ተኣማንነት" ከም ዘተባብዕ የስተብህሉ።

ስልጣን ተስፋ ከለዓዕል ይኽእል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ብዙሓት ዓይነት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ነቲ ሕጂ ተግባራዊ ኮይኑ ዘሎ ሲኖዳውነት ናብራ ብኸመይ ከም ዘዳለዉ ዘጉልሕ ምዃኑ እንክሕብሩ ንኣብነት "ናይ ውልቀ ሰባት ውህበት ብሓባር ምስምማዕን ሓባራዊ ተልእኾ ምስዓብን" ምምሃር። “ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ውሽጣዊ ዝኾነ ሲኖዳውነት ንጸዋዕታ ዝያዳ ዝምጥን እዩ፤ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብዚ መዳይ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣበርክቶ ክትገብር ቅሩብ ይገብረካ። ብተወሳኺ “እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ኣብ ማሕበራት ሰብ ውፉህ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ዘሎ ካብ ዝተፈላለየ ህብረ ባህሊ ዝኾነ ማሕበራዊ ህይወት” ነቲ ዝተፈላለየ ሕብረተሰባት ናይ ሎሚ ዓለም ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ግና እቲ በዞም ንውፉይ ሕይወት ዝውክሉ መዳያት ዝቖመ ሃብቲ “ውሱንን ዘይንቀሳቐስን” ተባሂሉ ክውሰድ ከምዘይብሉ ኣጠንቂቖም።

“ኣብ ብዙሕነት መንፈሳዊ ውህበታት ኵነታትን ኣብ ቀጻሊ ሓድሽነት ኩነታትን ዝምድናታትን ብቐጻሊ ክምዕብልን ክዓቢን ክስጒምን ክግለጽን ዘለዎ ንጡፍ ሕይወትን እምነትን ውጽኢት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበር ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ንኽኸውን፡ እዚ መዳያት እዚ ከም “ፍረ ህያው ፍጡር፡ ምግቢ ቈላሕታ ሓድሓደ ግዜ እውን ፈውሲ ዜድልዮ" ምዃኑ ብምምልካት፡ “ኣገልግሎት ስልጣን ነዚ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ፣ ኣብ ጉዕዞ ኣሕዋትና ተስፋ ንምልዕዓል ዝሕግዝ ቅርጽታትን ቅዲታትን ‘ምሕደራን’ ብምስዓብ፣ ነቲ ለጋስን ፍረ ዘለዎን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን ብምድጋፍ - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ጠቒሶም፣ እቶም እተፍቅሮም ሰባት ምሳኻ ክነብሩ፡ ወይስ ብፍጹም ክነብሩ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ? - ብሓባር ብዛዕባ ኣምላኽን ነፍስናን ምእንቲ ኽንምርምር። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ፈለማ ሓደ ነገር ዝተሰቆሮ፡ ብዘይ ጻዕሪ፡ ብቐሊሉ ንኻልኦት ከካፍል ይኽእል።”

እዚ ኣገዳሲ ሓሳብ እዚ “ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ዘሎና ሓላፍነት ዘለዎ ሲኖዳውነት ሸነኽ” ክነስተንትን ዝሕግዝ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

08 Nov 2025, 22:41