ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ግዳያት ኲናት ብተኹሲ ደው ምባል፡ ሓቀይና ተወፋይነት ንሰላም!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ብብርቱዕ ህቦብላ ፉንግ - ዎንግ ልዕሊ ሚልዮን ሰባት ካብቲ ዝኸበደ ሓደጋ ካብ ዘስዓበሉ ከባቢታት ክወጹ ንዝተገደዱ ህዝቢ ፊሊፒንስ ዘለዎም ቅርበትን ጸሎቶምን ከም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ንዝሞቱ፡ ኣባይቲ ስድራኦምን ንዝተሃሰዩን ዝተመዛበሉን ከም ዝጸለዩ ኣመልኪቱ።
ምስጋና ነቶም ሰላም ንኽረጋገጽ ንዝተዋፈሩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 9 ሕዳር ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ንዅሎም እቶም ብኹናት ኣብ ዝተሃስያ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዞባታት ሰላም ንምህናጽ ብኹሉ መዳይ ዝሰርሑ ንዘለዉ እውን ልባዊ ኣድናቖትን ምስጋናን ገሊጾም፡ ኣብ ቐረባ መዓልታት ምእንቲ እቶም ኣብተን ዕጥቓዊ ግጭት ኣብ ዝካየደለን ሃገራትን ዞባታትን ዝሞቱ ከም ዝጸለናን፡ እቲ ዘሕዝን ከኣ ብዙሓት ኣብ ውግእን ኣብ ደብዳባትን ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም፣ ዋላ እውን ሰላማውያን መብዛሕቲኦም ድማ ቈልዑ ኣረጋውያን ሕሙማት ምዃኖም እዩ ዝንገር፡ እቶም ዝተቐትሉን ህይወቶም ዝሰኣኑን ብሓቂ ከነኽብር እንተ ኴይና ብሓቂ ተዅሲ ደው ምባልን ቘራጽነትን ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብሔራዊ መዓልቲ ምስጋና ኣብ ኢጣሊያ
ዕለት 9 ሕዳር ኣብ ኢጣልያ ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ መዓልቲ ምስጋና እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፡ ኣብዚ ቅንያት እዚ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንዘካይድ ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት፡ ሓላፍነታዊ ክንክን መሬት፣ ብኽነት መግቢ ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ፣ ዘላቒ ሕርሻዊ ዕዮ ክረጋገጽ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒትን ምትብባዕን ተጸምቢሮም፡ ምእንቲ እቶም “ንኣዴና መሬትን ንኹሎም ነቶም ዘልምዕዋን ዝከናኸንዋን ንእግዚኣብሔር ነመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።
