ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ዕላማ ከንጸባርቕ ኣለዎ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ዕላማ ከንጸባርቕ ኣለዎ! 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ዕላማ ከንጸባርቕ ኣለዎ!

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ "መድርኽ ሃነጽቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ" ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን ከም ዘገልግል ከረጋግጹ ተማሕጺኖም፣ ምዕባለ ስነ - ምግባራዊ እደ ጥበብ ድማ ንናይ ኣምላኽ ፈጣሪ ዕላማ ሓባራውን ዓቕለስያውን ተልእኾ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከም ዘለዎ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መድረኽ ሃነጽቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ 2025፡ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ምምዕባልን ስራሕን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተዋፈሩ ሊቃወንቲ ስነ ፍልጠት፡ ሰብ ሃብትን መራሕቲ ጓሶትን ዝቕልቀሉ ዘለዉ እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ረብሓን ሱር ዝሰደዱ ኮይኖም ክቕጽሉ ጻውዒት የቕርቡ። ነቶም ብመጽናዕቲ፡ ብትካላዊ ዕዮን፡ ከምኡ’ውን ብጉስነት ራእይ”፡ ንመሃዝነት ምስ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንምስምማዕ ዝጽዕሩ ዘለዉ ምስጋናኦም የቕርቡ።

እደ ጥበብ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ፍጥረት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እቲ ሕቶ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል ጥራይ ዘይኰነስ በቲ እንሃንጾ እደ ጥበብ ኣቢልና መን ንኸውን ከም ዘሎና ዝምልከት እዩ።” ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ "ልክዕ ከም ኵሉ ምህዞታት ደቂ ሰብ ካብቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበና ናይ ምፍጣር ክእለት ዝምንጩ ኢዩ"። ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ከም ኩሉ ሰብኣዊ ምህዞ ካብቲ ኣምላኽ ብሓላፍነት ዝሃበና ናይ መሓዝነት ዓቕሚ ዝምንጩ እዩ - ቢሎም - እደ ጥበባዊ ምህዞ ኣብ መለኮታዊ ተግባር ፍጥረት ሓደ ዓይነት ተሳትፎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝበለ ምህዞ፡ “ነፍሲ ወከፍ ምርጫ ንድፊ ራእይ ሰብኣውነት ስለ ዝገልጽ፡ ስነ - ምግባራውን መንፈሳውን ርዝነት” ከም ዘለዎ ገሊጾም።  በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቶም ኣብቲ ዓውዲ ዚሰርሑ ሰባት፡ “ስነ - ምግባራዊ ምስትውዓል ከም መሰረታዊ ኽፋል ስራሖም፡ ማለት ንፍትሕን ምትሕግጋዝን ንህይወት ሓቀይና ኣኽብሮትን ዜንጸባርቕ ስርዓታት ኬማዕብሉ” ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓቅለሲያውን ናይ ምትሕብባርን ተልእኾ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዚ ቃል ኪዳን ኣብ ቤተ ሙከራታት ወይ ኣብ ቍጠባዊ - መኽሰባዊ ወፍሪ ጥራይ ክድረት ከምዘይክእል ኣመልኪቶም። “ዓሚቝ ዓቕለሲያዊ ጻዕሪ ክኸውን ኣለዎ። ህንጸት ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዘመን ኣብ መንጎ እምነትን ምኽንያትን ዝተሓደሰ ዘተ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ቅዱስነቶም ተጋባእያን ስርሖም ከም ናይ ሓባር እደ ጥበባዊ ተልእኾ “ኣብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌልን ዘይነጻጸጸል ውሁድ ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብን” ከውዕልዎ ኣተባቢዕም፣ ነፍሲ ወከፍ ተበግሶ - ኣብ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ክንክን ጥዕና ወይ ስነ ኣሃዛዊ ታሪኽ ምዝንታው - ነዚ ናይ ሓባር ዕላማ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣጒሊሖም፡ “ኣስተውዕሎ ይኹን ሰብኣዊ ብልሒ ምሉእ ትርጉሙ ኣብ ፍቕርን ሓርነትን ምስ ኣምላኽ ርክብን እዩ ዝረክብ” እንክብሉ ብምርግጋጽ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Nov 2025, 22:32