ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ሕዳር ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ 'ንምክልኻል ነብሰ ቅትለታዊ ተግባራት'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ሕዳር ምእመናን “ንነብሰ ቅትለት ተግባራት ንምክልኻል" ምእንቲ ዝግበር ጻዕሪ ክጽልዩ ንወርሒ ሕዳር ኣብ ዘመሓላለፍዎን ብዓለምለኻዊ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ዝተዘርገሐ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም ከም ዝዓደሙን፡ እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ ብሓላፍነት ንመላእ ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዋህበ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ፎኒክስን ኣሪዞናን ሰበኻታት ምስ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ጉዳያት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ምስናይ
ብፍላይ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ወርሒ ሕዳር ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ "እቶም ምስ ርእሰ ቅትለታዊ ሓሳባት ዝቃለሱ ዘለዉ ኣብ ማሕበረሰቦም ዘድልዮም ደገፍን ሓልዮትን ፍቕርን ክረኽቡን ንጽባቐ ህይወት ክፉታት ክኾኑን" ምመናን ክጽልዩ ዓዲሞም፡ ነቶም "ኣብ ድኻም ዝርከቡን ጾር ዝኸበዶምን” ናብኡ ንኽመጹን ኣብ ልቡ ዕረፍቲ ክረኽቡን ዝዕድም ጎይታ፡ "ንኹሎም ኣብ ጸልማትን ተስፋ ምቑራጽን ዝነብሩ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ምስ ነብሰ ቅትለት ዝቃለሱ ዘለዉ ሰባት" ከሰንይዎም ሓቲቶም፡ ኣስዒቦም "ኩሉ ግዜ ዝቕበሎምን ዝሰምዖምን ዘሰንዮምን ማሕበረሰብ ክረኽቡ” ጎይታ ንኹላትና "ትኩርን ርህሩህን ልቢ" ክህበና፡ "ምጽንናዕን ደገፍን ከቕርብ ዝኽእል፡ ከምኡ'ውን ብዘድሊ ሞያዊ ሓገዝ ኣብ ጎኖም ክንከውን ንጸልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንኹሎም ተቓላዕቲ ለውሃት ምቕራብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብኣኽብሮትን ለውሃትን ቅርበትን ቁስሊ ንምፍዋስን ምትእስሳር ንምህናጽን ኣድማስ ንምኽፋትን ከምዝሕግዝ ክንፈልጥ ይግበኣና፡ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ህይወት ህያብ ምዃኑ፡ ዋላ ኣብ ማእከል ቃንዛን መከራን እውን እንተኾነ ገና ጽባቐን ትርጉምን ከም ዘለዎ ብሓባር ዳግማይ ክንረኽቦ" ይጽልዩ።
ነጻ ዝኾነ ሰብ የለን
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸልማት ቦታ ዝግበር ምብጻሕን ቅርበትን ንዝኾነ ሰብ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ዘለዎም እምንቶ ኣረጋጊጾም፡ እቶም ንኢየሱስ ዝስዕብዎ ከይተረፉ "ተስፋ ዝቖረጹን ንሓዘን ዝተቓልዑን" ኽኮኑ ከም ዝኽእሉ ኣነጺሮም። “ብቕርበትካ ነቲ ዝሃብካና ህይወት ዘሎና ትውክልቲ ንምሕዳስ ብኢዱ ዚመርሓና መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣቦ ኣፍልጦ ምእንቲ ኽንህብን ከነበስሮን ኵሉ ሳዕ ፍቕርኻ ኸም ዚስምዓና ኽትገብር ንልምነካ፡ ኣሜን" እንክብሉ ብዘቕረብዎ ጸሎት እቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
