ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ጆርጂያ መራሔ መንግስቲ ኮባክሂድዘ
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 24 ሕዳር ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ሃገረ ጆርጂያ መራሔ መንግስቲ ኢራክሊ ኮባኪድዘ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን መራሔ መንግስቲ ጆርጂያ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምፍናዎም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 24 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ሃገረ ጆርጅያ መራሔ መንግስቲ ኢራክሊ ኮባኪድዘ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ቫቲካን ተቐቢሎምን ከም ዘዘራረቡን፡ ድሒሩ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገርን ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተራኺቦም፡ ኣብ ዞባዊ ኩነታትን እታ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታትን ትኹረት ብምግባር፡ ሓያሎ መዳያት ህይወት ኣብቲ ከባቢ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዘተዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ጆርጅያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ዘዕግብ ምዃኑ ከም እተሰመረሉን፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣቓልቦ ገይሮም፡ ብፍላይ ድማ ንኽልተኣዊ ዝምድናታትን፡ ዞባዊ ኩነታት ዝምልከቱን ከምኡ'ውን እታ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት" ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።
25 Nov 2025, 16:50
