2025.11.05 Udienza Generale 2025.11.05 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ንመዋቕር ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ሓይሊ ወንጌል፦ ክርስቲያናዊ እምነት ብ10 ቃላት" (La forza del Vangelo፦ la fede cristiana in 10 parole) ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፣ ንገለ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተሓትመ ጽሑፋት ቅዱስ ኣቦና ዝሓዘት መጽሓፍ ኮይና ተሰናድያ ትርከብ ኣላ። እዛ ብቤት ማሕበተም ሃገረ ቫቲካና እተሓትመትን መጽሓፍ፣ ዕለት 20 ሕዳር ክትዝርጋሕ እተመደበትን ኮይና፣ ኣብ ቀንዲ ክርስትያናዊ ኣርእስትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘመሓላለፍዎ ኣስተምህሮታት መደረታትን ዝሓዘት መጽሓፍ ኢያ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

 "እቶም ዝያዳ ወነንቲ ኵሉ ሳዕ ዝያዳ ሃብታማት እናኾኑ፣ ብኣንጻሩ ግን እቶም መሳኪን እናደኸዩ ዝኸዱሉ ዘለው መዋቕር ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና" ክብሉ ዝጸሓፍዋ መጽሓፉ ብቋንቋ ጣልያን La forza del Vangelo፡ La fede cristiana in 10 parole ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 20 ሕዳር ብቤት ማሕተም ቫቲካን (Libreria Editrice Vaticana) ክትዝርጋሕ እያ።

ሓዳስ መጽሓፍ - ሓይሊ ወንጌል፡ ክርስቲያናዊ እምነት ብዓሰርተ ቃላት
ሓዳስ መጽሓፍ - ሓይሊ ወንጌል፡ ክርስቲያናዊ እምነት ብዓሰርተ ቃላት

እታ ብሎረንዞ ፋዚኒ ተሰናድያ ቤት ማሕተም ቫቲካን እተሓትመት መጽሓፍ፣ ኣብ ኣርእስትታት እተኸፋፈለትን ጽሑፋትን መደረታትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተቕርብ ሓዳስ መጽሓፍ ክትከስን እያ። ምስ እምነት ክርስትና ዝተኣሳሰሩ 10 ኣገደስቲ ቃላት ድማ ትትንትን፦ እዚኣቶም ድማ ክርስቶስ፡ ልቢ፡ ቤተክርስትያን፡ ተልእኾ፡ ቅዱስ ቍርባን፡ ሰላም፡ ድኻታት፡ ተኣፋፊነት፡ ፍትሒ ከምኡ ውን ተስፋ ዝብሉ ኢያቶም።

ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14 ኣብ መእተዊ እዛ መጽሓፍ፣ ብዛዕባ ህሉው ዓለምለኻዊ ዅነታት ሓሳባቶም የካፍሉ "ጽልእን ዓመጽን ኣብ መንጎ ሰባት ስቓይ ከስፋሕፍሕ ይኽእል ኢዩ" ብምባል ውን የመልክቱ። ቅዱስነቶም ነዚ መፍትሒ እዚ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ውን ይገልጹ፦ "ሕብረትን ሓድነትን ናይ ምግባር ባህጊ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምዃንና ኣፍልጦ ምሃብ ድማ ፈውሲ ዅሉ ጥሩፍነት እዩ" ይብሉ። እታ “ሓይሊ ወንጌል” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ኣብ እተፈላለያ ኸተማታት ሃገረ 

 ኢጣልያ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ብምትሕብባር ምስ ሓያሎ ኣቅላሲያውይን ባህላውን ትካላት እተወደበ ሓያሎ ሓፈሻዊ መደባት ክካየድ ኢዩ። ዕለት 21 ሕዳር ኣብ ቪቸንዛን ኣብ ክሪሞናን፣ ዕለት 25 ሕዳር ኣብ ትረንት፣ ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ቬሮና፣ ዕለት 5 ታሕሳስ ኣብ ጀኖዋ ከምኡውን ዕልት 15 ታሕሳስ ኣብ ካግሊያሪ ክትቐርብ ኢያ።

ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብቲ መደባት ምርቓ እዛ መጽሓፍ፣ እተን ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፍት እተዳለዋን ከምኡውን ነቲ ሮበርት ፕረቮስት ኣብ ሃገረ ፔሩ ከም ወንጌላዊ ልኡኽ ኮይኑ ዘሕለፎ እዋንን መበቈላዊ ታሪኹ ኣብ ኣመሪካን ዘዘንትዋ “ልዮን በዓል ፔሩን፣ ልዮን በዓል ቺካጎን” ዘርእስተን ክልተ ሰነዳውያን ፊልማታት ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ክረኣያ ኢየን።

14 Nov 2025, 13:11