ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ወልፊ ንምክልኻል ቃል ክንኣቱ ኣሎና' ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ወልፊ ንምክልኻል ቃል ክንኣቱ ኣሎና'  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ወልፊ ንምክልኻል ቃል ክንኣቱ ኣሎና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢጣሊያ ን7ይ ሃገራዊ ዋዕላ ብዛዕባ ወልፍታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ተርእዮ ወልፍን መንእሰያት "በቶም ወፍልታት ናይ ምስሓብ" ዝንባለን ብጭቡጥ ንምምካት ዝሕግዝ መንገዲ የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ "ንርእስና፡ ብዝተዋደደ መንገዲ፡ ንስራሕ ኣቐድሚካ ምክልኻል ቃል ክንኣቱ ኣለና፡ ከም ዕጸ ፋርስን ኣልኮላዊ መስተን ዝኣመሰሉ ወልፍታት ዋላ እኳ እቲ ዝበዝሐ ስፍሕ ዝበለ ኮይኑ እንተቐጸለ፡ ሓድሽ ዓይነት ወልፍታት ይቕልቀል ከም ዘሎ ኣሚኖም፡ "እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣጠቓቕማ መርበብ፡ መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ኢድ ተለፎንን ምስ ንጹር ረብሓታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ልዕሊ ዓቐን ኣጠቓቕማ እውን ዝተኣሳሰር እዩ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ወልፍታት እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ "ምስ ግዴታዊ ቁማርን ውደራን፡ ምስ ስእለ - ጽዩፍ" ከምኡ'ውን ምስ "ዳርጋ ቀጻሊ ህላወ ኣብ መድርኻት ስነ ኣሃዛዊ ዓለም" ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ዘሕዝን እዩ ቢሎም፡ ኣብዞም ጉዳያት እዚኣቶም፡ "በዚ ኸምዚ እቲ ናይ ወልፊ ዕላማ፡ ውጥረት፡ ቅድመ ኩነት ዝፈጥር ባህርን መዓልታዊ ህላወን ይኸውን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምልክታት ናይ ኣእምሮ ወይ ውሽጣዊ ጭንቀት

እዞም ተርእዮታት እዚኣቶም፡ መብዛሕትኡ ግዜ "ምልክት ናይ ኣእምሮኣዊ ወይ ውሽጣዊ ጭንቀት ናይቲ ውልቀሰብን ናይ ማሕበራዊ ምንቁልቋል ክብርታትን እወንታዊ መወከሲ ነጥብታትን" እዮም፡ ብፍላይ ኣብቶም "ኣብ ህላወ ትርጉም ዝደልዩ" መንእሰያትን በጽሕታትን፡ ከምኡ'ውን "ንመጻኢ ዝምልከት ምርጫታት" እዮም።

"ምውሳኽ ዕዳጋን ሃልኪ ዕጸ ፋርስን፡ ብናይ ቍማር መጋበርያታትን ኣቢልካ ብቐሊሉ ኣታዊ ምርካብ ከምኡ'ውን ኣብ መርበብ ምውካል ዝምልከት ጐዳኢ ትሕዝቶ እውን ዘጠቓልል፡ ተስፋ ኣብ ዘይብላ ሓያል ሰብኣውን መንፈሳውን ዕማም ኣብ ዘይህልወሉ ዓለም ንነብር ከም ዘለና የርኢ - ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት መንእሰያት "ኩሉ ባህርያት ማዕረ እዩ ዝመስሎም" እንክብሉ ኣጠንቂቖም፣ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ ብግቡእ ክፈላልዩ ስለዘይክእሉ፣ በዚ ድማ ጻዕሪ ወለድን ናይ ዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርትን ከም ኣብያተ ትምህርቲ፣ ቍምስናታትን ማእከላት መንእሰያትን ዝያዳ ክቡር ይገብሮ። እዘን ትካላት እዚኣተን፡ "ኣብቶም መንእሰያት ወለዶታት ሓላፍነት ከም ዝስምዖም ሰባት ምእንቲ ክመላለሱ፡ መንፈሳውን ግብረ ገባውን ክብርታት ከስርጻን ከነቓቕሓን ይጽዕራ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓሚቕ ጽምኢ ህይወት

ኣስዒቦም መንእሰያትን በጽሕታትን " ናይ ገዛእ ርእሶም ነጻን ሓላፍነታውን ህላወኦም ሃንደስቲ ንኽኾኑ፡ ሕልናኦም ክቐርጹ፡ ውሽጣዊ ህይወቶም ከማዕብሉን ምስ መዛኑኦም እወንታዊ ዝምድናን ምስ ዓበይቲ ሰባት ሃናጺ ዘተን ክምስርቱ ኣለዎም። ፍርሒ መጻእን ቍርጺ ፍቓድ ህይወት ዓበይትን ንመንእሰያት ብፍላይ ነቶም ተነቀፍቲ ድኹማት” ከም ዝገብሮምን፡ ናብ “ገዛእ ርእሶም ክዕጸው ዝድኽር መገዲ የደልድል። መንግስታዊ ትካላት፡ ወለንታዊ ማሕበራት፡ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ብሓፈሻ፡ ኣብዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ናይ ሓገዝ ልመናን ዓሚቝ ጽምኢ ህይወትን ከለልዩ፡ ናብ ኣስተውዕሎን ግብረ ገባውን ጻዕሪ ዝዕድምን ድሌቶም ንኽምስርቱ ዝሕግዞም ብቑዕ ድጋፍ ከቕርቡሎም ይጽውዑ።” ስለዚ፡ "ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ከምኡ'ውን ብዝተዋደደ መንገዲ፡ ናብ  ምትእትታው ሕብረተሰብ ዝትርጎም ንሓደ ናይ ምክልኻል ስራሕ ምውፋይ ይግባእ። ኣብ ውሽጢ "መሓውር መምርሕታት ምክልኻል ጭንቀት መንእሰያት፡ ነቲ ብማሕበራዊ ጸቕጥታትን ብባህሪ ናይ ዕድመ ንእስነትን ዝዓቢ ስምዒት ዘይውሕስነትን ስምዒታዊ ዘይምርግጋእን ንምምካት፡ ርእሰ - ምትእምማን ሓደስቲ ወለዶታት ክብ ዘብል ይኹን” እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጭቡጥ እማመታት ንሓድሽ ባህሊ ምትሕግጋዝ

ወልፍታት ንምክልኻል ዝሕግዝ መንገዲ፡ ዕድላት ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ስፖርት፡ ጥዑይ ናብራ፡ መንፈሳዊ ሸነኽ ህላወ ዘጠቓልል ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ “ናይ ምትሕግጋዝን ደገፍን ባህሊ” ንምድንፋዕ ዝዓለመ ጭቡጥ እማመታት ከቕርቡ ብምትብባዕ፡ እዚ ናይ ምክንኻን ባህሊ፡ "ንርእሰ - ፍትወትን ንፋይዳውነትን ቁጠባውን ስነ - መጎታት ዝጻረር" ክኸውን ኣለዎም፡ ስለዚ "ናብ ካልኦት ዝቐንዐ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብ ምስማዕ፡ ምስ ጎረቤትካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ርክብን ዝምድናን፡ ብፍላይ ድማ ኣዝዩ ተቓላዓይን ተነቃፍን ኣብ ዝኾነሉ ዝቐንዐ” እንክብሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Nov 2025, 22:37