ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሮናልድ ሂክስ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ኒውዮርክ ጌሮም ሸይሞሞ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 18 ታሕሳስ ነቲ ካርዲናል ቲሞቲይ ዶላን ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ንዘቕረቡሎም ናይ ልሒቅነት ሕቶ ተቐቢሎም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢሊኖይ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ናይ ዝርከብ ሰበኻ ጆሊየት ጳጳስ ሮናልድ ሂክስ፡ ሓድሽ ናይ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ዕለት 4 ነሓሰ 1967 ኣብ ቺካጎ ዝተወልዱ ጳጳስ ሂክስ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ናይልስ ዝተመሃሩ፡ ቺካጎ ካብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ብፍልስፍና ናይ መጀመርታ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ምስ ረኸቡ፡ ኣብ ማሕበር ንኡሳን ኣሓትና - Nuestros Pequeños Hermanos ወለንተይና ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣብ መንበረ ጥበብ ቅድስቲ ማርያም ኣደምሕረት ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ድሒሩ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ መንበረ ጥበብ ሊቕነት ከም ዘመስከሩን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 21 ግንቦት 1994 ኣብ ርእሰ ሰበኻ ቺካጎ ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ጽፍሕታት ከም ዘገልገሉን ኣብ ኦርላንድ ሂልስ ናይ ዝርከብ ቁምስና ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ሰቶን ምኽትል ቆሞስ (1994-1996)፡ ካብ 1999 – 2005 ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሓለቓ፡ ካብ 2005 - 2009 ከም ወለንተይና ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው - Nuestros Pequeños Hermanos ኣብ ሜክሲኮን ኤል ሳልቫዶርን ከም ዘገልገሉንካን ካብ 2010 – 2014 ድማ ናይ መንበረ ጥበብ ቅድስተ ማርያም ኣባል ጉዳያት ስነ ትምህርቲ ድሕሪኡ ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ዕለት 3 ሓምለ 2018 ናይ ሙናዚያና ስዩም ጳጳስን ናይ ቺካጎ ርእሰ ሰበኻ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ምስ ተሰምዩ፡ ዕለት 17 መስከረም 2018 ማዕርገ ጵጵስና ከም እተቐበሉን ዕለት 7 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢሊኖይስ ናይ ሰበኻ ጆሊየት ጳጳስ ኮይኖም ከም እተሰምዩ የዘኻኽር።
