ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ፊት መቓብር ቅዱስ ቻርቤል ማኮሉፍ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሊባኖስ ናብቲ “ንብዘይ እግዚኣብሔር ንዝነብሩ ጸሎት፡ ኣብ ጫውጫው ንዝነብሩ ስቕታ . . . ነቶም ሃብቲ ዓለም ዝስዕቡ ድማ ድኽነት” ዝመሃረእንክብሉ ናብ ዝገለጽዎም ቅዱስ ቻርቤል ማኮሉፍ ናብ ዝተቐበሩሉ ስፍራ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነጋድያን ክርስትያንን ኣስላምን ናብ ኣናያ ሊባኖስ ብምኻድ ኣብ መቓብር ቅዱስ ቻርቤል ማክሉፍ ከም ዝጽልዩ ክንገር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ እቲ ናይ ቅዱስ ማክሉፍ ቅዱስ ዓጽም ዝተነበረሉ ገዳም ቅዱስ ማሩን ኣፈት ምስ በጽሑ ናይቲ ገዳም ማሕበር ማሮናውያን ዓቢይ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ማሕፉዝ ሃዲይን ብበዓልቲ ቤቱ ብዝተሰየ ናይ ረፓብሊካዊት ሊባኖስ ርእሰ ብሔርን ኣቅባብላ ምስ ተገበረሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፊት መቓብር ቅዱስ ቻርቤል ናይ ጽሞና ጸሎት ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ናይቲ ገዳማውያን ማሕበር ዓቢይ ሓለቓ ንቕዱስነቶም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ ኣስምዑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ - “ ሕቡእን ጽሞናን ዝነብር ዝነበረ፣ ዝናኡ ግን ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐ” ቅዱስ እንክብሉ ዝገለጽዎ ባሕታዊ “ብመንፈስ ቅዱስ ተቐሪጹ” “ብዘይ እግዚኣብሔር ንዝነብሩ ጸሎት፡ ኣብ ማእከል ጫውጫው ንዝነብሩ ጽሞና፡ ነቶም ንደጋዊ ነጋራት ንዝነብሩ ትሕትና፡ ንሃብቲ እዛ ዓለም ዝስዕቡ ድማ ድኽነት” ዝመሃረ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ሰላም

ኣብታ ካብ 2019 ጀሚራ ኣብ ከቢድ ቅልውላው - ዝቕባበ ባጤራ፡ ሰፊሕ ድኽነት፡ ምፍሻል ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ ፍንጀራ ወደብ ቤሩት ኣብ 2020ን ምስ እስራኤል ገና ብዝቕጽል ዘሎ ግጭትን - እትዕብለል ዘላ ሃገር - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ተስፋን ሰላምን መልእኽቲ የብጽሑ።

"ሰላም ንለምን - ብፍላይ ንሊባኖስን ንመላእ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ንልምን። ንሕና ከም እንፈልጦን - ቅዱሳን እውን ከም ዘዘኻኽሩና ድማ - ብዘይ ምልዋጥ ልቢ ሰላም የልቦን" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ በዚ ኸምዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቤተ ክርስቲያንን ሊባኖስን ዓለምን ዘድልይ ነገራት ኵሉ ንኣማላድነት ቅዱስ ቻርቤል ኣወኪፎም፡ እቲ ናይ ሊባኖስ ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ዓውንን በዓልቲ ቤቶቱን ዝተሳተፍዎ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት በማላድነት ቅዱስ ቻርቤል ብዝቐረበ ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብዝሃብዎ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም እተዛዘመ ኣፍሊጡ።

ህያብ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ገዳም ብኢድ ዝተሰርሐ ብብሩር - ነሓስን ዝተለበጠ ናይ መብጽዓ መብራህቲ እንክልግሱ፥ “ሊባኖስን ህዝባን ወትሩ ብብርሃን ክርስቶስ ምእንቲ ክመላለሱ፡ ንሓለዋ ቅዱስ ቻርቤል አወኪፎም፡ ስለ ህያብ ቅዱስ ቻርቤል ንእግዚኣብሔር ነመስግኖ! ንዝኽሩ ስለ ዝዓቀብኩም ድማ አመስግነኩም። ብብርሃን ጎይታ ተመላለሱ!” ዝብል ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Dec 2025, 09:07