ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓመጽ ደው ክብል ጻውኢት ኣቕሪቦም ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓመጽ ደው ክብል ጻውኢት ኣቕሪቦም 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓመጽ ደው ክብል ጻውኢት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል እሱራት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ ነቶም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዕጥቓዊ ግጭት ዘካይዱ ዘለዉ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዓመጽ ደው ከብሉን ናብ ሃናጺ ዘተ ክምለሱን ጻውዒት ኣቕሪቦም ብተወሳኺ ኣብ ስጳይናን ፈረንሳን ዕለት 13 ታሕሳስ ዝተፈጸመ ስነ ስረዓት ኣዋጅ ብጽዕና ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ውግእ ዘሕደረሎም “ዓሚቕ ስክፍታ" ገሊጾም። ነቶም በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ስቓይ ንዝርከብ ጸሎትምን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ እቶም ናይቲ ግጭት ወገናት "ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ደው ከብሉን ነቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኣኽቢሮም ሃናጺ ዘተ ክደልዮ” ከም ዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ኣብ እትርከብ ስልታዊት ከተማ ኡቪራ፡ ልዕሊ 400 ሰባት ዝቐተለ፡ ኣስታት ካልኦት 200 ሽሕ ድማ ዘመዛበለ ሓድሽ ቀታሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ሰበስልጣን እቲ ዞባ ጸብጺቦም - እታ ከተማ ኣብ ኢድ እቲ ብሩዋንዳ ዝድገፍ ጉጅለ M23 ድሕሪ ምውዳቓ ሒደት መዓልታት ዝቐረበ ጸብጻብን እዚ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተሸምገለ ስምምዕ ሰላም እውን እንተሃለወ ዝተፈጸመ ግጭት ምዃኑ የመላኽት።

ኣዋጅ ብጽእና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 13 ታሕሳስ ኣብ ስጳይናን ፈረንሳን ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ቢላ ዝኣወጀቶም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብምዝኻር፡ ኣብ ስጳይና ከተማ ኻየን ኣባ ኢማኑኤል ኢዝክየርዶን ምስ ኣባ ኣንቶንዮ ቺኪየርን ሓምሳን ሸሞንተን ብጾቱን ብሓባር ቤተ ክርስቲያን ብጽዓን ከም ዝበለቶም ብምዝኽካር፡ እዞም ሓደስቲ ብጽዓን ካብ 1936 - 38 ኣብ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ኣሳዶ ኩሎም ብጽልኢ እምነት ዝተቐትሉ ምዃኖም እውን ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣባ ሬይሞንድ ካይረ፡ ኣባ ገራርድ ናርቱብ ሰብድሩተር ኣባላት ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ናይዚ ማሕበር ተማሃራይ ዘርኣ ክህነት ዝነበረ ሮጀር ቫለ፣ ዓለማዊ ምእመን ዣን ሜስትረ፣ ከምኡውን ኣርብዓን ሽዱሽተን ብጾቶምን ዕለት 13 ታሕሳስ ኣብ ፓሪስ ብጽዕና ከም እተኣወጀሎም ቅዱሰንቶም ብምዝኽካር፡ ካብ 1944 - 45 ኣብ ግዜ መግዛእቲ ስርዓት ናዚ ብጽልኢ እምነት ዝተቐትሉ ምዃኖም ገሊጾምል፡ በዞም "ኣብ ኩሉ ኩነታት ንህዝቦም ቀረባን ንቤተ ክርስቲያን እሙናትን ብምዃኖም ንዓመጽን መቕተልትን ዝተዳረጉ ተባዓት መሰኻኽር ወንጌል" ንጎይታ ነመስግኖ እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Dec 2025, 09:20