ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ታሪኻዊ ምሕዝነት ኣመሪካን ኤውሮጳን ሎምን ንመጻእን ኣገዳሲ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣፈት ንዝተረኽቡ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዘሎ ታሪኻዊ ምሕዝነት "ብዘሕዝን ኩነታት" ክቕየር ከምዝኽእል ከም ዘስተብሃሉን፡ ቅድስቲ መንበር ናብ ሩስያ ዝተወስዱ ዩክሬናውያን ህጻናት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ብድሕሪ መጋረጃ ትሰርሕ ከምዘላ እውን የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ውጥን ሰላም ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዩክሬን ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበረ “ሓቀይና” ምሕዝነት ኤውሮጳን ኣመሪካን “ብዘሕዝን ኩነታት” ዓቢ ለውጢ ከጋጥሞ ዝኽእል ይመስል፡ እንክብሉ ቅዱስነቶም ካብቶም ጋዜጠይናታት ነቲ ብመንጎይናነት ኣመሪካ ዝቐረበ ቀጻሊ እማመ ሰላም ኩናት ሩስያ/ዩክሬን ዘጋጥም ዘሎ ለውጢ ኣብ ምሕዝነት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዘጠቃልል ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ኣተኵይሮም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘሎ ምሕዝነት ከጋጥሞ ዝኽእል ለውጢ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ዕለት 9 ታሕሳስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ  ንናይ ዩክሬን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ኣብ ዝተራኸቡሉ ዕለት፡ ብዛዕባ’ቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዘቕረቦ ውጥን ሰላም ርእይቶ ከም ዝሃቡን፡ ይኹን እምበር "እቲ ዜሕዝን ግን ገለ መዳያት እቲ ዝተዓዘብክዎ ነገር እንተሎ ኣብቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ መንጎ ኣውሮጳን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዝነበረ ናይ ሓቂ ምሕዝነት ዓብዪ ለውጢ ከምጽእ ከም ይኽእል፡ እግምት።”

"ብዛዕባ ኣውሮጳ ኣብዚ እዋን እንሰምዖን ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጽታት ነቲ ሎምን ኣብ መጻእን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጥምረት ክኸውን ኣለዎ ኢለ ዝሓስቦ ነገር ንምብትታን ዝጽዕር ዘሎ ይመስል።” ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣማኸርቱን ሓሳቦም ከቕርቡ መሰል ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር፡ "ኣብኡ ብዙሕ ነገራት ኣሎ፡ ምናልባት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት  ዝሰማምዕሉ ግን ብዙሓት ካልኦት ነነገራት ብእተፈልየ መገዲ ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም፡ ሓደ ዓይነት ኣመለኻኽታ የሎን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ቅድስቲ መንበር ካብ ዩክረይን እተጨውዩ ቘልዑ ኣብ ምምላስ ዘለዋ ግደ ምስ ተሓትቶ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ መራሒ ዩክረይን ከም እተመያየጡን . . . ቅድስቲ መንበር ነቶም ሕጻናት ዩክረይን ናብ ስድራ ቤቶም ንኽምለሱ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይና ትሰርሕ ከም ዘላ የረጋግጹ ።

ቅድስቲ መንበር ንዘተ ተዳሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝሃብዎ መልሲ “ቅድስቲ መንበር ንዘተን ምይይጥን ቦታን ዕድላትን ንምሃብ ድሉውቲ እያ” ኣንክብሉ ብምርግጋጽ “ክሳብ ሕጂ እዚ ሓሳብ እዚ ተቐባልነት ኣይረኸበን፣ እንተኾነ ግን ፍታሕን ነባርን ፍትሓውን ዝኾነ ሰላምን ውሑስ ንምግባር ዘሎና ድሌትና ቀጻሊ እዩ” ምስ በሉ፡ ብዛዕባ’ቲ ርእሰ ብሔር ዩክሬን ዘለንስኪ ናብ ዩክሬን ንኽትበጽሑ ዘቕረበልኩም ዳግማይ ዕድመ - ብዛዕባ እቲ ርእሰ ብሔር ሎሚ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፡ እቲ ዘቐረበልኩም ዕድመ “ንህዝቢ ዝድግፍ ሓያል ምልክት” እንክብል ከም ዝገለጾን፡ ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብሉ? ዝብል ንዝቐረበሎምሕቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ “እቲ ክካየድ ዝኽኣል ምብጻሕ መዓስ ምዃኑ እኳ እንተዘይፈለጥኩ ክፍጸም ግን ተስፋ እገብር። ሓደ ሰብ ኣብዚ ጉዳያት’ዚ ክውንነታዊ ክኸውን’ውን ኣለዎ፤ ምናልባት እቲ ምብጻሕ ተኻኣሊ ክኸውን ዝከል ኣዩ” እንክብሉ ከም ዝመለሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ተራ ኤውሮጳ

ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ መሰርሕ ሰላም ኣብ ጥርጣረ ዘእተዎ ግደ ኤውሮጳ ኣመልኪቶም ቅዱሰንቶም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ካብ ቤሩት ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተንከፍዎ ጉዳይ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ "ተራ ኤውሮጳ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ሓድነት ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ ብፍላይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ ኤውሮጳ ኣብቲ ዘተ ከይሓወሰ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክብጻሕ ምፍታን ክውንነታዊ ኣይኮነን። እቲ ኲናት ኣብ ኤውሮጳ እዩ ዘሎ፡ ኤውሮጳ ድማ ኣካል ናይቲ ሎምን ንመጻእን ዝድለ ውሕስነት ጸጥታ ክትከውን ኣለዋ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ዘሕዝን ግን ኩሉ ሰብ ነዚ ዝርድኦ ኣይመስለንን፡ እንተኾነ ግን እቲ ኤውሮጳዊ ሓሳብ ኣብ ሓደ ምምጻእ ፍታሕ ክርከብ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዓቢ ዕድል ክኸውን ከም ዝኽእል እምነት ኣለኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምብጻሕ ናብ “ሰማያዊ መስጊድ” ኣብ ኢስጣምቡል

ብዛዕባ ናብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገበርዎ ጉዕዞታት ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ኣብ ሰማያዊ መስጊድ ዝገበርዎ ምብጻሕ “ብስቕታ፡ ብመንፈስ ኣስተንትኖን ምስማዕን፡ ነቲ ቦታን እምነት ናይቶም ኣብኡ ብጸሎት ዝተኣከቡን ዓሚቝ ኣኽብሮትን” ተመክሮ ዝገበሩሉ ምዃኑ ገሊጾምዎ እዮም፡ እንተኾነ ግን ስለምንታይ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት “ብግልጺ” ስለምታይ ዘይጸለየሉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ “ኣይጸለኻን ክብል ዝኽእል መን እዩ፡ ገሊኦም ኣይጸለኹምን ይብሉ፣ ኣነ ግና ኣቐዲመ ናብ ሮማ እንክምለስ ኣብ ነፋሪት - ብሓው ሎረንዞ እተጻሕፈት መጽሓፍ (‘ተመክሮ ህላወ ኣምላኽ’) ጠቒሰ ገሊጸዮ እየ - ሕጂ እውን እንተኾነ እጽሊ ኣሎኹ” እንክብሉ ምስ መለሱ፡ ወሲኾም ንጸሎት ዝመርጽዎ ቦታ "ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቅድሚ ቅዱስን ልዑልን ምስጢር" ምዃኑ ገሊጾም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መስጊድ ዝነበረ ህሞት ዚገልጽ ጸብጻባት "ዜገርም እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ሓዋርያዊ ቤተ መንግስቲ ምግዓዝ

ኣብ መወዳእታ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘሎ ሓዋርያዊ መንበሮም ከም ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈቶም ጥራሕ ዘይኮነስ መንበሪ ዘለዎ ብምዃኑ ከም መንበሪ እውን ክጥቀምሉ ምዃኖም ዝወሰድዎ ውሳነ ዝምልከት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ር.ሊ.ጳ. መዓስ ክግዕዙ ምዃኖምን ምስ መን ምዃኑን ምስ ተሓተቱ፡ “ክሳብ ሕጂ ዘግዕዘሉ ዕለት ኣይተወሰነን፤ ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ኣብ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ህንጻ ጽቡቕ እየ ዘለኹ” እንክብሉ ከም ዝመለሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

10 Dec 2025, 14:50