ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ 'ሙዚቃ ከም ድልድል ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሓና ሰናይ መጋበርያ እዩ!”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሻድሻይ “ምርኢት ሙዚቃ ቫቲካን ምስ ድኻታት” ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 6 ታሕሳስ ምሸት ኣብ ዝቐረበሉ ጉባኤ ስነ ጥበባውያንን ወለንተይናታት ሙዚቀይናታትን ድኻታትን ነዚ ምርኢት ደገፍትን ብጠቕላላ ልዕሊ 3 ሺሕ ተዓዘብቲ ከም እተረኽቡን - እዚ ካብ ዝተፈላለየ ብሄራትን ቋንቋን ሃይማኖትን ዝመጹ ተቓላዕትን ዝተገለሉን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን - ዘሳተፈን ዘማእከለን እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይ ምስ ሃገረ ስብከት ሮማን ምስ ብርክት ዝበሉ ድኻታት ዝከናኸኑ ማሕበራትን ጉጅለታትን ብምትሕብባር ኣብ ዝተሰናደወ መደብ ንተሳተፍትን ኣጋይሽን ኣብዚ ናይ 2025 ሕታም፡ ዓለምለኸ ስነጥበባዊ ማይክል ቡብለ፡ ምስ ጉጅለ ሙዚቀይናታቱን ዝተሰነየ፡ የኔታ ማርኮ ፍሪሲና ዝምራሕ መዘምራን ሃገረ ስብከት ሮማ፡ ከምኡ’ውን ጉጅለ ሙዚቃ ሓድሽ ተግባርን ቅዱስነቶም ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ኣብ ሓደ “ካብ ልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተወልደ” ፍጻመ ክጽንበሩ ብምኽኣሎም ዘለዎም ሓጐስ ገሊጾም፡ ነዚ ኣድማሳዊ ህያብ ዝኾነ ሙዚቃ፡ “ነቲ ክግመት ዘይከኣል ክቡር ዋጋ ሙዚቃ ክስምዓና ይገብር፡ ንውሑዳት ቅንጦት ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ሰብ፡ ሃብታምን ድኻን ዝበጽሖ መለኮታዊ ህያብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ሓጎስ
“ንነፍሲ ወከፍኩም ሰላም ክብለኩም ከለኹ፡ ሎሚ ነዚ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ማእከል ዝኾኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ክቕበል ፍሉይ ሓጎስ ይስምዓኒ: ስለ ህላወኹም የቐንየልና! - ቢሎም - ነቶም ኣዳለውትን ለገስትን፡ ማለት ንካርዲናል ህየንተ ሰበኻ ሮማ ባልዶ ረይና፡ ንናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ግብረ ሰናይ ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ነቲ መደብ ተኸኣሊ ንዝገበሩ ዝተፈላለዩ ትካላት ግብረ ሰናይን ምስጋናኦም ገሊጾም፡ ነቶም ተዋሳእቲ:- “ምስጋናና ነቶም ነቲ ሙዚቃን ደርፍታትን ብስነ-ጥበብን ኒሕን ዘቕረቡ ሰባት ፍልዩ ምስጋናና ከነቕርብ ባህርያዊ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሙዚቃ ከም ድልድል ናብ ኣምላኽ ዝመርሓና እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ መንፈሳዊ ትርጉም ሙዚቃ እንከስተንትኑ፡ “ሙዚቃ ከም ድልድል ናብ እግዚኣብሔር ዘብጽሓና እዩ። ስምዒታት፣ ተመስጦን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ዝዓሞቐ ምንቅስቓስ ነፍሲ ከይተረፈ ናብ ምድርን ሰማይን ዘራኽብ ምናባዊ መደያይቦ ክቕይር ዝኽእል እዩ። ካብ መከራ ጥራይ ዘርሕቕ ዘይኮነስ፡ ንደቂ ሰባት ዝዓበየ መንነቶም ዘዘኻኽር እዩ፡ “ንሕና እዚ ጥራይ ኣይኮናን: ካብ ሽግርናን ጸበባናን ኣዚና ንበልጽ ኢና፡ ፍቑራት ደቂ ኣምላኽ ኢና! - ኣብ መንጎ ሙዚቃን በዓል ልደትን ዘሎ ጽኑዕ ምትእስሳር እንከጉልሑ በዓል ልደት ብባህላዊ ደርፍታት፡ ብነፍሲ ወከፍ ቋንቋን ብኹሉ ባህልን ኣዝዩ ሃብታም ምዃኑ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን። እዚ ምስጢር እዚ ብዘይ ሙዚቃ፡ ብዘይ ናይ ምስጋና መዝሙር ክበዓል ዘይከኣል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ንምጽኣት ክርስቶስ ተዳለዉ
ኣብ ዘመነ ምጽኣት ክርስቶስ ኵሉ ክንዳሎ ዝዓደሙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ “ልብና ከይተሸገረ፡ ብናይ ርእስና ረብሓን ስጋዊ ስክፍታታትን ከይተጸምደ፡ እንታይ ደኣ ንቑሓት፡ ንኻልኦት፡ ነቶም ንዝተጸገሙ ኣቓልቦ ዝህቡ፡ መዝሙር ፍቕሪ እግዚኣብሔር፡ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰምዕ ድሉዋት ንኹን። እወ፡ ኢየሱስ ናይ ፍቕሪ መዝሙር ኣምላኽ እዩ። ንሰብኣውነት እስከ ነዚ መዝሙር ነስምዓዮ፣ ንሕና እውን ብህይወትና ንዘምሮ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
