ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ 'ኣብ ድኻታት ጎይታ ወትሩ ይዛረበና’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ምስ ስነ ጥበባውያንን ኣዳለውትን ሻድሻይ ሕታም ምርኢት ሙዚቃ ቫቲካን ምስ ድኻታት” ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እዚ መደብ እዚ ቤተ ክርስቲያን ንበዓለ ልደት ኣብ እትዳለወሉ እዋን ብሓልዮትን ድላይን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝተጀመረ ተበግሶ “ሰናይ ትውፊት” እንክብሉ ብምግላጽ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ፡ “ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ” እንክብል ዝጸሓፎ ዘኪሮም፡ ስጋዌ “እግዚኣብሔር ኣቦ ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ፍቕሪ ዘረጋግጽ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም። ቅዱስነቶም ነቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረስዎ Deus Caritas Est - እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም፥ "እዚ መለኮታዊ ንጥፈታት እዚ ሕጂ ብኢየሱስ ክርስቶስ ነተን 'ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ማለት ዝሳቐዩን ዝጠፍኡን ደቂ ሰባት ክደሊ ምስ ዝወጽእ እዚ መለኮታዊ ንጥፈት እዚ ዘደንቕ ቅርጺ ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብቶም ኣዝዮም ዝጽገሙ ንክርስቶስ ምልላይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ስነ ጥበባዊ ምርኢት ሙዚቃዊ ፍጻመ ወይ ዕዮ ግብረ ሰናይ ጥራይ ከምዘይኮነ ኣስሚሮም፡ ወንጌል ማቴዎስ ብምጥቃስ “ከምቲ ንሓደ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝገበርክምዎ ንዓይ ከም ዝገበርክምዎ እዩ - ቢሎም - እታ ንሶም ዝጸሓፍዋ Djlexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ዘርእስታ ሕዋርያዊ ምዕዳን ተወኪሶም፡ “እዚ ጉዳይ ናይ ሰብ ሕያውነት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ድኻታት ንሱ ባዕሉ ጐይታ ኣብ ምዝራብ ይቕጽል፡” ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ንብረት ዝምርኮስ ኣይኮነን: “ንሕና ንብረት ወይ ናይ ገዛእ ርእስና ንብረት ኣይኮናን . . . እንታይ ደኣ ብኣምላኽ ዝተፈተዉ ደቁ ኢና።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ነቶም “ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ኣሕዋትን ኣሓትን” ቀዳምነት ይህቦም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሙዚቃ ከም መንገዲ ናብ ኣምላኽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ሙዚቃ ከስተንትኑ እንከለዉ መዝሙር ቅዳሴ “ንነፍሲ ልዕል ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ” ኣዘኻኺሮም፡ ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ጠቒሶም “ንዕዉ (ንጎይታ) ክትዝምሩሉ ኣለኩም . . . ጽቡቕ ዘምሩ ኣሕዋት።” ነቶም ስነ-ጥበባውያን ድማ ብፍዅ ገጾም "በጃኹም ጽባሕ ጽቡቕ ዘምሩ - ቢሎም - ሙዚቃ "ሓደ ዓይነት ፍቕሪ . . . ናብ ኣምላኽ ዚመርሕ pulchritudinis - ደመት እዩ ከም ዝበሉን ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ንህየንተ ር.ሊ.ጳ. ሰበኻ ሮማ ካርዲናል ባልዶ ረይና፣ የኔታ ማርኮ ፍሪሲና፣ መዘምራን ሃገረ ስብከት ሮማ፣ ጉጅለ ሙዚቃ፣ ማሕበር ሓድሽ ተግባር (Nuova Opera)፣ ሰሬና ኣውቲየሪ፣ ካናዳዊ ስነጥበባዊ ማይክል ቡብለን ሙዚቀይናታቱ፣ ከምኡ’ውን ንኹሎም ነቲ መደብ ዝድግፉ ደረፍቲ፣ ሙዚቀይናታትን መሻርኽትን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
