ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ክርስትያናዊ ሕብረት ዕብለላ ዘይኮነስ ኣምላኽ ዝሃቦ ህያባት ምክፋል ማለት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ ኣርመናዊ ሓዋርያዊ ካተድራል ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ ጸሎት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሞንጎ ዘሕዝን ኩነታት ኣርመንያውያን ኣብ ታሪኽ ንዘቐረብዎ ተባዕ ምስክርነት እምነት ንኣምላኽ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ቱርኪ ዕለት 30 ሕዳር ኢስጣንቡል ኣብ ዝርከብ ኣርመናዊ ሓዋርያዊ ካቴድራል ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፡ ናይ ቍስጥንጥንያ ኣርመናዊ ሓዋርያዊ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሳሓቅ ዳግማዊ ማርሻሊያን ድሕሪ ዘረቕረብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፣ ንልዑል ፓትርያርክን ናይ ኵሎም ኣርመናውያን ካቶሊኮስ ብፁዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማውን ንመላእ ሓዋርያዊ ማሕበሰብ ኣርመንያን ኣብ ቱርኪ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሞንጎ ዘሕዝን ኩነታት ኣርመንያውያን ኣብ ታሪኽ ንዘቐረብዎ ተባዕ ምስክርነት እምነት ንኣምላኽ አመስግን - ቢሎም ንሓዋርያዊት ኣርመንያዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘራኽብ ሕውነታዊ ምትእስሳር እናዓበየ ይኸይድ እውን ብምህላዉ ምስጋናኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ሓደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ምብራቓዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክን ናይ መጀመርታ ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣብ ግንቦት 1970 ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይን ካቶሊኮስ ቫስከን ቀዳማውን ዝተኸተመ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ “ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናትና ዝካየድ ዘሎ ‘ሰናይ ዘተ’ ከም ዝዓምበበ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ቱርኪ ዝገብርዎ ዑደት፡ ቤተ ክርስቲያን መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ እተብዕለሉ እዋን ብምዃኑ ንእምነት ኒቅያ ዘብዕል እዩ እንክብሉ ብምሕባር፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ዘመናት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ዝነበረ ሓድነት ዘዘኻኽር ህሞት እዩ - ቢሎም - ምሉእ ሕብረት ንምምላስ እውን ካብ ተመክሮ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ምትብባዕ ክንረክብ ይግባእ፣ እዚ ሕብረት እዚ ምውሓጥ ወይ ዕብለላ ዘመልክት ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብያተ ክርስቲያን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኦ ህያባት ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣብን ትስብቲ ክርስቶስን ምቕራብ ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝቖመ ሓባራዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያ፡ ዘካይዶ ዘተ ኣብ ቀረባ እዋን ምሉ ሓድነት ንኽህሉ ኣብ ዝብል ድላይ ኣማእኪሉ ስረሑ ክጅምር ከምዝኽእል ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ነቲ ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ኣርመንያ ካቶሊኮስ ቅዱስ ነርሰስ ራብዓይ ሽኖርሃሊን “ንኣቢያተ ክርስቲያን ‘ኩለን ሓደ ክኾና’ ዝብል ጸሎት ክርስቶስ ንምፍጻም” ዘካየዶ ዘይሕለል ጻዕሪ ተወኪሶም፡ “ኣብነት ቅዱስ ነርሰስ የነቓቕሓና፡ ጸሎቱ ድማ ኣብ መንገዲ ምሉእ ሓድነት የበርትዓና!” እንክብሉ ጸልዮም፡ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንፓትርያርክ ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ሳሃክ ዳግማዊ ኣብ ፓትርያርክ ካቴድራል ኣርመንያ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፡ “እዚ ካብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ህያብ እዚ ብኽፉት ልቢ ንቕበሎ፡ ንሓቂ ወንጌል ዝያዳ ዘእምኑ መሰኻኽርን ዝሓሸ ኣገልገልቲ ተልእኾ እታ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ክንከውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Dec 2025, 09:46