ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምስ ስድራቤታት ግዳያት ሓደጋ በይሩት ኣብቲ እቲ ምፍንጃር እተፈጸመሉ ስፋራ ጸልዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ዓመተ 2020 ኣብ ወደብ በይሩት ንልዕሊ 200 ሰባት ዝቐተለ ነትጒ ኣብ እተፈጸምሉ በጺሖም ብጽሞና ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብተዘክሮታት ዕለት 4 ነሓሰ 2020 ዝመልአ ጸጥታ፣ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ወደባዊት ከተማ በይሩት ሰፊኑ ነበረ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፣ ኣብዛ ርእሰ ኸተማ ሃገረ ሊባኖስ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም፣ 7,000 ዝኾኑ ድማ ቈሲሎም፣ 300,000 ዝኾኑ ካልኦት ከአ ብዘይ መጽለሊ ስለ ዝተረፉ፣ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ኩነት ኢዩ ዝንበረ። እዚ ድማ ነቲ ድሮ ነቲ ህዝቢ ዘለዎ ጾር ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ኣዕሚቝዎ ይርከብ።

ይኹን እምበር ብዕለት 2 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ቅድሚ እቲ እትምልከቶ ዘላ ኣስማት ኵሎም እቶም ግዳያት እዚ ሓደጋ እዚ ዝሓዘ ሓወልቲ ንሓያሎ ደቓይቕ ደው ኢሎም ጸሎተ ሕልና ኣዕሪጐም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘይካ ድምጺ ናይተን ኣብ ልዕሊኦም ዝዝምብያ ዝንበራ ሄሊኮፕተራትን ከምኡ ውን ድምጺ ናይተን ስእሊ ዘልዕላ ዝንበራ ካሜራታትን ጸጥታ ዝሰፈኖ ሃዋህው ኢዩ ዝንበረ።

ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ስፍራ ሓደጋ ነትጒ በይሩት
ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ስፍራ ሓደጋ ነትጒ በይሩት   (@Vatican Media)

ድሕር’ዚ ቅዱነቶም ነቲ ኣብ እግሩ ተቐሚጡ ዝንበረ ብቐይሕ ጽጌረዳ እተገብረ ኣኽሊል ተንክዮም ሽምዓ ኣብርሁ፣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ድማ ጸለዩ።

ብድሕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ስድራቤታት እቶም ግዳያትን፡ ካብቲ ምንታጕ ብህይወት ዝተረፉን ሰባት፣ ስእልታት ናይቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ሒዞም ነበሩ።

ድሕሪ እዚ ናይ ሕልና ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንገለ ካብኣታቶም ሰላምታ ኣቅረቡሎ። ክሳዕ ሕጂ ዳርጋ 6 ዓመት ኮይኑ ኣሎ እቶም ተሓተቲ ኣካላት ናይቲ እተፈጸመ ነትጒ ኣብ ሕጊ ኣይቀረቡን ዘለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስፍራ "ደምን ግዳያትናን ዑናታትን"

ናዳ ዓብደልሳተር ዝስማ ኣባል ቦርድ ናይቲ ንህይወት ሕዝቢ ሊባኖስ ንምምሕያሽ ዝጽዕር ትካል በይሩት ስእሊ ናይቲ ዝነኣሰ ግዳይ ዝዀነ ወዲ ኽልተ ዓመት ቈልዓ ይስሃቅ ሒዛ ነበረት።

"ንስድራቤቱ ወኪለ እየ" ኣብዚ ዝርከብ ዘለኹ ድማ በለት። "በቲ ነታጒ ክቐትል ከሎ እዚ ሕጻን እዚ ኣብ ቤቱ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ይስሃቅ ኣውስትራልያዊ እዩ ዝንበረ፣ ወለዱ ኣውስትራልያውያን እዮም፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሊባኖስ ይነብሩ ነይሮም" ክትብል እውን ገለጸት።

ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ስፍራ ሓደጋ ነትጒ በይሩት
ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ስፍራ ሓደጋ ነትጒ በይሩት

"ስድራ ቤቱን ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምእንቲ ነፍሲ ይስሓቕ ክጽልዩ ክሓቶም፣ ሎሚ ኣብዚ ክርከብ ሓቲቶምኒ" በለት።

ዓብደልሳተር ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክወፍየሎም ተስፋ ብምግባር፣ ስእልታት ኵሎም እቶም ግዳያት ዝሓዘ ጸሊምን ጻዕዳን ሻርፕ ኣምጺኡ።

"ኣቐዲምና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሂብናዮም ነርና፣ ሕጂ ድማ ነዚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስለዚ ናብዛ እተባረኸት ሃገር ዝገበርዎ ምብጻሕ ንምዝካር ከምኡውን ቅዱስነቶም ኣብዚ በጺሖም ነዛ ሬሳታትን ደምን ግዳያትና ዝሓዘት ምድሪ ከም ዝባረኽዋ ኣፍልጦ ንምሃብ ከነወፍየሎም ንደሊ ኣሎና" በለ።

ሓቂ ንምርካብ ተስፋ ብምግባር ብጸሎት ንሓብር

ኣብ ጥቓኡ ድማ ሰሲል ሩኮዝ ዝስማ ጠበቓ፣ እታ ወዲ 45 ዓመት ምንኣስ ሓዋ ጆሴፍ፣ ኣብቲ ወደብ ኪሰርሕ ዝጸንሐ በቲ ነታጒ ዝሞተ ደው ኢላ ነበረት። ሓደ ንእሽቶ ወዱ እውን ኣብቲ መደብ  ተኻፊሉ ነበረ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ነፍሳት ግዳያትና ክጽልዩ ስለ ዝደለዩ፣ ነዚ ምብጻሕ እዚ ኣዚና ነማስወሉ ኢና" በሉ። "ንፍትሒ ድምጾም ከም ዘልዕሉ ድማ ንፈልጥ ኢና፣ ንኣሕዋትናን ንዅሎም ግዳያት እዚ ነትጒን ድማ ፍትሒ የድልየና እዩ" በለ።

ታቲያና ሃስሩቲ ዝስማ ጓል 24 ዓመት ጠበቓ ድማ፣ ኣቦኣ ኣብ ሲሎስ ክሰርሕ ከሎ በቲ ምንታጕ ብኸመይ ከም ዝሞተት ገለጸት። እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ ድማ ንዓኣ "ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ንምምልካት እዩ ዝንበረ።"

ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ስፍራ ሓደጋ ነትጒ በይሩት
ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ስፍራ ሓደጋ ነትጒ በይሩት

"ኣነ ሓደ ኻብቶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ [ኣብ 2024 እተራኸቡ ሰባት እየ ነይረ፣ ቅዱስነቶም ይጥምቱና ኸም ዘለውን፣ ይሰምዑና ኸም ዘለውን ተስፋ ሂቦምና ኢዮም። ሕጂ ምድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ መጺኦም ምስ በጽሑና፣ ቫቲካን ከም እትርእየናን ስቓይና ኸም እተሰምዖን ንፈልጥ ኣሎና" በለት።

"ኣብዚ ኣብቲ መብዛሕትኦም ግዳያት ዝሞቱሉ ቦታ ደው ኢሎም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ንዓለም ናይ ተስፋ መልእኽቲ የመሓላልፍ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ስድራቤታት እቶም ግዳያት ከማና ዝኣመሰሉ ክርስትያን ጥራይ ዘይኰኑስ ሙስሊም እውን ዘጠቓለለ ኢዩ" በለት። "እዚ ሕጂ ዝህበና ዘሎ ዝዓበየ መልእኽቲ ኢዩ ዝመስለኒ፦ ብጸሎትን ነቲ ሓቂ ናይ ምርካብ ተስፋን ሓድነት ክንገብር ኢና" ድማ በለት።

ከምኡ ውን በቲ ነትጕ ወዲ ሓብታ ዝሞታ ጃክ ባራማቺያን እውን ተመሳሳሊ ሓሳባታ ገለጸት። "ፍትሒ ንደሊ ኢና፣ መን ተሓታቲ ምዃኑ ኽንፈልጥ ውን ንደሊ ኢና" በለት።

ናብቲ ወዲ ሓብታ ዝነብረሉ ዝነበረ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ጻዕዳ ህንጻ ውን ኣመልከተት። "እቲ ምንታጕ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ቤቱ ነበረ ምስ ዓርኩ ሞተ" ክትብል ሓዘናን ስቓያን ኣካፈልት።

ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ስፍራ ሓደጋ ነትጒ በይሩት
03 Dec 2025, 10:25