ር. ሊ. ጳ.፦ ዘመነ ምጽአት ብንጡፍ ተስፋ ብኸመይ ክንጽበ ኸም ዘሎና ይምህረና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ፍሉይ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣካየዶም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ዘመነ ምጽኣት ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዓለምናን ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ኣፍልጦ ንምሃብ፣ ምድላዋትን ጻዕርን ስለ ዝሓትት ንምልክታት ግዜና ከነቕልበሉ ይምህረና።
ኣብ ፍጻሜ ፍጥረትን ድሕነቱን ዘይንቀሳቐስ ምጽባይ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፣ ኣምላኽ ወትሩ ኣብ ዕዮኡ ክንሳተፍ ከም ዝጽውዓና እውን ገለጹ።
"ኣምላኽ ኣብ ታሪኹን ኣብ ሕልምታቱ የሳትፈና እዩ" በሉ። "ስለዚ ተስፋ ምግባር ማለት ምስታፍ ማለት እዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ነቲ "ነጋድያን ተስፋ" ዚብል ፍረ ነገር ዓመተ ኢዮቤል ብምዝካር፣ እዚ ጭርሖ እዚ ዓመተ ኢዮቤልና ኣብ በዓለ ልደት ምስ ተዛዘመ ትርጕሙ ኸም ዘይጠፍእ እውን ኣዘኻኸሩ።
ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ምሉእ ህይወትና ብተስፋ ክንጐዓዝን ኣእዳውና ኣብ ጁባና የእቲና ዘይኰነስ ብንጥፈት ብምስታፍ ክንጽበባእዮ ዝዕድመና ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ክርስትያን ምእመናን "ምልክታት ዘመን ኬንብቡ" ኣለዎም፣ እዚ ድማ ኣብ ታሪኻዊ ዅነታት ምልክት ኣምላኽ ክንዲ ዝኾነ እዩ።
"ኣምላኽ ካብ ዓለም ወጻኢ ኣይኰነን፣ ካብዛ ህይወት ወጻኢ ውን ኣይኰነን፣ ካብቲ ቐዳማይ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣምላኽ ምሳና ኣብ ክውንነት ህይወት ክንደልዮ ኣምሂሩና ኢዩ" በሉ። ብምስትውዓልን ብንቑሕ ልብን እጅጌና ዓጺፍና ክንጸባበዮ ኢዩ ዝደልየና" ክብሉ ውን ተላበዉ።
ካቶሊካውያን ምእመናን ብፍላይ ነዚ ተልእኾ እዚ ክቕበልዎ ተጸዊዖም ኢዮም፣ ከመይሲ እቲ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወትን ጸገማትን ጽባቐን እዛ ዓለም እዚኣ ክራኸበና ስለ ዝመጸ ድማ ኢዩ።
ብዛዕባ ህይወትን ምስክርነትን እቲ ኣብ መበል 20 ዘመን ዝነብረ መንእሰይ ኢጣልያዊ ኣባል ካቶሊካዊ ዕማም፣ ድሕሪ ፍጻሜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኢጣልያ እንደገና ክሃንጽ ዚደሊ ዝነበረ ኣልበርቶ ማርቬሊ እውን ዘከሩ።
ኣብ ፖለቲካዊ ህይወቱ ንሓደጋ ብምቅላዕ፣ ብብሽክለታ እናተጓዕዘ ኸሎ ብወተሃደራዊ ማኪና ተወቒዑ ተቐትለ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ጽቡቕ ዘበለ ንምምራጽ ቍሩብ ድሕንነትን ምጽንናዕን እንተ ሓዲግና ዓለምና ክትመሓየሽ ትኽእል እያ" ውን በሉ። "እዚ ድማ ተሳትፎ እዩ"።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ካቶሊካውያን ንተውህቦና ብሓጐስ ንኻልኦትን ንመንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ምግልጋል ንጥቀመሉ እንተ ዄንና ገዛእ ርእሶም ኺሓቱ ጻውዒት ኣቕረቡ።
"ተስፋ ምግባር ማለት ተሳትፎ ምግባር ማለት እዩ፣ እዚ ከአ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ" በሉ። ንበይኑ ንዓለም ዜድሕና የልቦን። ኣምላኽ ውን ንበይኑ ኼድሕና ውን ኣይደለየን፣ ግናኸ ብሓባር ከድሕኖ ዝሓሸ መንገዲ ኢዩ ዝመረጸ።
