2025.12.05 ር.ሊ.ጳ.፥ ሰማእታት ቺምቦተ ጻውዒት ዓቕለሲያዊ ሓድነት፡ ተልእኾን ተኣማንነት ንክርስቶስን 2025.12.05 ር.ሊ.ጳ.፥ ሰማእታት ቺምቦተ ጻውዒት ዓቕለሲያዊ ሓድነት፡ ተልእኾን ተኣማንነት ንክርስቶስን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰማእታት ቺምቦተ ጻውዒት ዓቕለሲያዊ ሓድነት፡ ተልእኾን ተኣማንነት ንክርስቶስን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ኣዋጅ ብጽእና ሰማእታት ቺምቦተ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምስክርነቶም ኣብ ወንጌላዊ ልኡኽነትን ሓድነትን ነባሪ ኣብነት ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ኣዋጅ ብጽዕና ሰማእታት ቺምቦተ ብጹእ ሚካል ቶማስዘክ፡ ዝቢግናው ስትርዛልኮቭስኪ፣ ኣሌሳንድሮ ዶርዲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ምስክርነት ሓድነትን ተልእኾን ጓሳዊ ግብረ ሰናይን እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ንቤተ ክርስቲያን ቺምቦተን ንኹሎም ኣብቲ ናይ ዝክሪ በዓል ንዝጽንበሩን፡ ህይወትን ሰማእትነትን ናይቶም ብጹዓን ኣብ ፐሩን ፖላንድ፡ ኢጣልያን ኪኖኡን ንቤተ ክርስቲያን ምንጪ ተኣማንነት ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኵላዊ ተወፋይነት ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውሁድ ምስክርነት ወንጌል

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም፡ እቶም ሰለስተ ካህናት ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ኣብቲ ናይቶም ዘገልግልዎ ማሕበረሰባት ሕይወት ወሲጦም፡ ብዘቕርብዎ ቅዱሳት ምስጢራት፡ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዘሐይሉ፡ ኣብ ሞንጎ ብድኽነትን ዓመጽን ዝተለለየ ኵነታት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ከም ዝድግፉ ኣዘኻኺሮም።

ከቢድ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ምስ ህዝቦም ክጸንሑ ዝወሰድዎ ውሳነ፡ ምኽንያት ኣብ 1991 ሰፊሑን ኣብ ጠርዙ በጺሑ ብዝነበረ “ጽልኢ እምነት” ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፡ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታኦምን ባህሎምን መንፈሳዊ ትውፊታቶምን ዝፈላልዮም ዘይኮነስ፡ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ሓባራዊ ፍቕሪ ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝሰረተ ውሁድ ምስክርነት ወንጌል ዘቕረቡ እያቶም” እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክቡር ሕድሪ

ብዛዕባ ሕድሮም ዘስተንትኑ ቅዱስነቶም፡ ሰማእታት ቺምቦቴ ኣብቲ ሎሚ ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ኣገዳስነት ኣስሚሮም፡ ህይወቶም ፍልልያት ብክርስቶስ ብምጥርናፍ ዝፍጠር ሕብረት ከም ዘመልክት ኣስተብሂሉ፣ እዚ ድማ ነቲ ካብ ውልትውማውመት ኣረኣእያታት ወይ መኻን ክትዓት ክመጽእ ዝኽእል ምብትታን ዝቃወምን ሰማእትነቶም ዕምቆት ቤተ ክርስቲያናዊ ሓድነትን ትርጉም ተልእኾን ኣብ ተኣማንነት ንክርስቶስን ንህዝቡ ኣብ ኣገልግሎትን ዝተመስረተ ምዃኑ ዘረድእ እዩ - ቢሎም - በዚ መሰረት ድማ ንወንጌላዊ ተወፋይነት ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ቺምቦቴ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ከባቢ ነቲ እቶም ሰማእታት ዝጀመርዎ ስራሕ ክቕጽሉ፣ ኣብ ሞንጎ ጸገም እምነት ክነብሩን ንጽጉማት ኣብ ኣገልግሎት ክጸንዑን ኣተባቢዖም፡ ክርስቶስ ማእከል ምርጫታትን ቀዳምነታትን ምስ ዝኸውን ክርስትያናዊ ተልእኾ ፍረ ዘለዎ ኮይኑ ከም ዝቕጽል ንምእመናን ኣዘኻኺሮም፡ ውሉደ ክህነት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ካህናት ከም ልኡኻት ናይ ሰበኻ ካህናት ማሕበር fidei donum - ውህበት እምነት ኮይኖም ገዛእ ርእሶም ንምውፋይ ክሓስቡ ዓዲሞም፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ንጻውዒት እግዚኣብሔር ከይፈርሑ ተማሕጺኖም፡ ነቲ ናይ መንእሰያት ኣብነት ናይቶም ክልተ ፖላንዳውያን መነኮሳት፣ ዋላ እኳ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ናይ ሓጺር ዓመታት እንተነበረ፣ ጸዋዕታኦም ብለጋስነት ዝሓቖፉ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Dec 2025, 09:27