ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሽመት ደብዳበ ተቐቢሎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ታሕሳስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ዓሰርተ ሰለስተ ሓደሽቲ ልኡካነ መንግስታት፣ ኡዝቤኪስታን፣ ሞልዶቫ፣ ባሕሬን፣ ሲሪላንካ፣ ፓኪስታን፣ ላይበርያ፣ ታይላንድ፣ ሌሶቶ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፊጂ፣ ማይክሮነዥያ፣ ላቲቭያን ፊንላንድን ዘቕረብዎ ናይ ሽመት ደብዳበ ተቐቢሎም፡ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቢሎም፡ “ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕብረተሰብን፡ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ዝምድናታትና፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታትና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዕማምና ንኽብሪ ኩሉ ሰብን ምኽባር ህያብ ፍጥረት እግዚኣብሔርን እንጠልቦ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ምትእምማን” ንምምላስ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብምጒላሕ፡ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን” ዝብል ኢየሱስ ካብ ሞት ምስ ተንሰአ ዝሃቦ ሰላምታ ኣቕሪቦም ነቲ “ዘይዕጥቃውን ዕጥቂ ዝፈትሐን ሰላም” ብሓባር ምስራሕ የድሊ እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተወፋይነት ንሰላም
ሰላም "ግጭት ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንጡፍን ጠለብን ኣብ ልብን ካብ ልብን ዝተሃንጸ ህያብ" ምዃኑ ኣስሚሮም፡ “ትዕቢትን ሕነ ምፍዳይን” ንምኽሓድን “ንቃላት ከም ኣጽዋር ንምጥቃም ዝድርኽ ፈተና” ንምምካትን ተወፋይነት ይሓትት። እዚ ራእይ እዚ፡ “ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ወጥርን ምብትታን ንሃገራት ጾር ብዜምጽእን ንማእሰር ደቂ ሰብ ብዜጨንቕን መገዲ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን" ዝያዳ ህጹጽ ከም ዚኸውን ኣብሪሆም፡ ሳዕቤናት ዓለማዊ ዘይምርግጋእ “ድኻታትን ዝተገለሉን ዝያዳ ዘሳቕይ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ዓለም "ካብቶም ብቕልጡፍ ቍጠባውን እደ ጥበባውን ለውጢ ብቐሊሉ ክርስዑ ዝኽእሉ ሰባት ክትርሕቕ" ከም ዘይብላ ኣብቲ Dilexi Te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘንበርዎ ሓሳብ ብምዝኽካር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅድስቲ መንበር ድምጻ ዘይተሰምዕ ተዓዛቢት ኣይኮነትን
በዚ መንጽር’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ “ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለማዊ ማሕበረሰብና ዝረአ ዘሎ ከቢድ ዘይምዕሩይነትን በደላትን መሰረታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስቕ ኢሉ ተዓዛቢት ብምዃን እትምልከቶ ጉዳይ ኣይኮነን - ቢሎም - ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቤተ ክርስቲያን፡ “ብቐጻሊ ንሰናይ ደቂ ሰባት ንምግልጋል ዝቐንዐ” ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ብፍላይ ነቶም ድኻታት፡ ኣብ ተቓላዒ ኩነታት ወይ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ሕብረተሰብን ዝተደፍኡ” ዝያዳ ትዅርት ዝገብር እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ነቶም ሓደስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዝረኸቡ ልኡካነ መንግስታት “ኣብዚ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣዝዩ ዘድልየሉ ህሞት” ዝተሓደሰ ብዙሕነታዊ ምትሕግጋዝ ንምምዕባል ምስ ቅድስቲ መንበር ክጽንበሩ ተማሕጺኖም፣ ብሓባር ንማሕበረሰብ ዓለም “ንዝያዳ ፍትሓዊ፣ ሕውነታውን ሰላማውን ዓለም ዝድርኽ መሰረት ንምንባር” ክሕግዙ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ደገፍ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፡ “ሓድሽ ናይ ዘተ ማዕጾ ይኸፍት፡ ሓድነት የዕብን ነቲ ሰብኣዊ ስድራቤት ኣዝያ እትናፍቖ ሰላም የሰጉም” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።
