2025.11.30 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሃሪሳ ኣብ ዝርከብ ናይ ቀርመለሳውያን ደናግል ገዳም ምብጻሕ ኣካይዶም 2025.11.30 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሃሪሳ ኣብ ዝርከብ ናይ ቀርመለሳውያን ደናግል ገዳም ምብጻሕ ኣካይዶም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሃሪሳ ኣብ ዝርከብ ናይ ቀርመለሳውያን ደናግል ገዳም ምብጻሕ ኣካይዶም

ቅዱስ ኣቦና ናይ መጀመርታ መዓልቲ ምሸት ኣብ በይሩት ከተማ ሃሪሳ ናብ ዝርከብ ቀረመሎሳውያን ደናግል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ - Theotokos ገዳም ናይ ሳላሳ ደቓይቕ ዑደት ኣካይዶም ምስተን ደናግል ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ምሸት ምስ ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣንን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላት ከምኡ እውን ኣብ በይሩት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ናብ ገዳም ቀርመሎሳውያን ማሕበር ደናግል እመ ኣምላኽ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ከም ዝሓበሮ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስተን ደናግል ሓደ ብሓደ ሰላምታ ተለዋዊጦም ናይቲ ማሕበር ሓለቓ ንቕዱስነቶም ድሕሪ ዘቕረባሎም ሓጺር ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ሰላምታ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ነተን መነኮሳት ኣብ ሕመረት ናይቲ ኣስተንትኖኣዊ ጸዋዕታአን ዝነብርኦ ሰለስተ ማለት ትሕትና፡ ጸሎትን መስዋእትን ዝብላ ቃላት ኣዘኻኺሮም ኣብቲ ገዳም ሓጺር ዑደት ድሕሪ ምክያድ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ኣፍሊጡ።

03 Dec 2025, 09:04